back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ ስደተኛታት ብመርከበኛታት ድሒኖም

ብ ሲዎች 3 ትፍለጥ መርከብ፡ ኣብ መጻብብ ሲሲሊ (ማእከላይ ባሕሪ)፡ ኣብ ናይ ሰለስተ መዓልቲ መስርሕ ምድሓን ስደተኛታት፡ 96 ዝኣኽሉ ሰባት ከምዘድሓነት ይሕብር። ካብቶም ዝደሓኑ ናይጀርያዊት ጥንስቲ ብጽሕቲ ወርሕን ወዲ ክልተ ሰሙን ህጻን ቆልዓን ከም ዝርከብዎም ክገልጽ ከሎ እቲ ሓበሬታ፡ ድሕሪ ምድሓን እታ ብጽሕቲ ወርሒ ናይጀርያዊትን ህጻንን፡ ንኣድላዪ ሕክምናዊ ኣገልጉሎት፡ ናብ ማእክል ጥሊያን ከምዝተወስዱ ይሕበር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣስታት 27 ሰባት ዝጸዓነት ጃልባ፡ ብ ምክትታል ዶባት ጣልያን ድሕሪ ምርኣያ፡ ኣብ ሕደጋ ከምዝነበረትን፡ ን ኣብ ቀረባ ብዝነበረት ናይ ንግዲ መርከብ ብምሕባር፡ ከምዝደሓኑን ኣብ ጽቡቅ ኩነታት ናይ ጥዕና ከምዝርከቡን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ማእከላይ ባሕሪ ንምስንጣቅ ኣብ ዝግበር ግዑዞ ብዙሕ ሓደጋታት ከጋጥም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣማኢት ኤርትራውያን መንእሰያት ግዳያት ከምዝኾኑ ይዝከር። ገለ ካብዚኦም ኣብ 2011 ከምኡ’ውን 2013 ዘጋጠመ ናይ ላምፔዱዛ ሓደጋ ኣብ ስድራቤታት ኤርትራ ከቢድ ሃስያ ዘውረደ ጽንተት ምዃኑ ይንገር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles