ምምሕዳር ቁጽጽር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ፡ ብ ዓይነቱ ናይ መጀመርታ ጸረ ኤች.ኣይ.ቪ፥ ኣብ ዕዳጋ ክውዕል ከምዝፍቀደት ተሓቢሩ። እዚ “ኣፕሪቱደ” (Apretude) ዝተባህለ ክታበት፡ ድሕሪ ዝተገበረ ናይ ነዊሕ ዓመታት ፈተነ፡ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ዕዉት ናይ ምክልኻል ውጽኢት ከምዘለዎ ክሕበር ከሎ ምስቲ ኣቐድም ኣቢሉ ብ መልክዕ ከኒና ማዓልታዊ ዝውሰድ ዝነበረ ከኒና ክነጻጸር ከሎ፡ ዝለዓለ ውጽኢት ከምዝተረኽቦ ይሕበር።
እዚ ክልተ ግዜ ኣብ ናይ 30 ማዓልታት ድሕሪ ምውሳድ ፡ ኣብ ከክልተ ወርሒ ዝውሰድ ፡ ኣብ ምውጋድ ተላባዒ ሕማም ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክህልዎ ከምዝኽእል ናይ ዓውዲ ሕክምና ተመራመርቲ ይገልጹ።
ዋጋ ኣብ ሓደ ዓቀን ዝዋሃብ ክታበት ኣስታት $3700 ብሙዃኑ፡ ኣብ ተጠቐምቲ ኣዚዩ ክቢድ ተጽዕኖ ከምዝፈጠር ይሕበር።
ኣብ 2020፡ ጠቕላል ብ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ዝተለኽፉ ኣስታት 1.3 ሚሊዮን ክበጽሕ ከሎ፡ ብ ኤች.ኣይ.ቪ ኤይድስ ዝሞቱ ከኣ ኣስታት 680,000 ምዃኖም ዝሕብር ጸብጻብ፡ ምስ ናይ 2010 ኣሃዛት ክነጻጸር ከሎ፡ ብ ኤች.ኣይ.ቪ(HIV) ቫይረስ ዝተለኽፉ ብ 34% ክጎድል ከሎ፡ ብ ኤች.ኣይ.ቪ ኤይድስ ዝሞቱ ከኣ ብ 47% ምጉዳል ከምዝርኣየ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ዓለም፡ ብ ተልባዒ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ዝያዳ ተጠቂዐን ካብ ዝርከባ ሃገራት፡ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ዝርከባ ሃገራት ሙዃነን እዩ ዝግለጽ።
ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ልዑል ምጉዳል ቁጽሪ መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ካብ ዘመዝገባ ሃገራት ምኻና ከምዝተገለጸ ይዝከር።