ንሱ፡ ዋላኳ ቅድሚ 25 ዘመናት ዝነበረ ሰብ እንተኾነ፣ ብዛዕባ እንታይነት ኲናትን ከመይ ክካየድ ኣለዎ ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ፍልይ ዝበለን ዘይንቡርን ሓሳብ ስለዝነበሮ ክሳብ ሎሚ ፍትዉ ኮይኑ ንረኽቦ። ኲናት ብዓይኒ ኣካየድቱ ከም ስፖርት ዝሕሰብ ኮይኑ፡ ብዓይኒ ተዋጋእቱ ድማ ናይ ክብሪ ጉዳይ ኮይኑ ንረኽቦ። ሱን ጹ ብኣንጻሩ፡ ኲናት ኣሻቓልን ሳዕቤኑ ድማ ኣዝዩ ሕማቕ ከምዝኾነ’ዩ ዘጠንቅቕ። ስለዚ ይብል ንሱ፡ ኲናት ክካይድ እንተደኣ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ምዕዋት ጥራይ እምበር ካልእ ዕላማ ክህልዎ የብሉን።
እዚ ናይ ሱን ጹ ሓሳብ ንጹር’ኳ እንተነበረ ኣብቲ እዋን’ቲ ጋሻ ሓሳብ’ዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኲናት “ንኽትዕወት” ግድን ኣይኮነን ሓይሊ ዘድልየካ፣ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ጥራይ ሓይሊ ጸላኢ ፈርከሽከሽ ክብል ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ነይርዎ።
መጽሓፍ ጥበብ ኲናት ኣብ ጥንታዊት ቻይናን ጎረባብታን ዓሚቚ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉን ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ሓሳባት ድማ ኣብ ባህሊ’ዘን ሃገራት ርዒሙ ንረኽቦ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ምብርቕ ኢስያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ምሉእ ዓለም – ኣብ ሰነ-ቁጠባ፡ ስፖርት፡ ኣብ ቅዲ ኲናትን ካልኦት ዓውድታትን እዚ መጽሓፍ ከም መወከሲ ኮይኑ የገልግል ኣሎ።
መጽሓፍ ጥበብ ኲናት እቲ ናይ ፈለማ ስትራተጂካዊ ወተሃደራዊ ሰነድ ኮይኑ፡ ኣብ ኲናት ተዓዊትካ ንኽትወጽእን ግርጭታት ደው ንኸተብል ዘኽእል ናይ ኲናት ፍልስፍና ዝሓዘ ምጽሓፍ ከምዝኾነ ይንገረሉ። እዚ መጽሓፍ’ዚ 13 ምዕራፋት ዘጠቓልል’ዩ። እዘን ምዕራፋት ንድፊ ካብ ምሕንጻጽ ጀሚሩ ወቕታዊ ዝኾነ እጠቓቕማ ሓይሊ፡ ድኽመታት ጸላኢ ምፍላጥ፡ ኣድላይነትን ኣትገባብራ ምቅይያራት ስልቲ፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ድፋዕን ኣካይዳ ስለያን ይዝርዝራ።
ቻይና ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝሓየላ ሃገራት ሓንቲ ንኽትከውን፡ ኣብ ኲናት ይኹን ኣብ ቁጠባዊ ዕብየታ ኣብ መጽሓፍ ጥበብ ኲናት ሰፊሩ ንዘሎ ሓሳባት ተጠቒማትሉ’ያ። እዚ መጽሓፍ’ዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን’ውን እንተኾነ ኣብ ብዙሓት ኣዘዘቲ ሰራዊትን መራሕቲ ፖለቲካን ጽልዋ አሕዲሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣሜሪካ ምስ ጃፓን፡ ሰሜን ኮርያን ሰሜን ቬትናምን ኣብ ዘካየደቶ ኲናት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣሜርካ ዝነበሩ ጀነራላት ብናይ ሱን ጹ ሓሳባት ይምሰጡ ከምዝነበሩ ይንገር። ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ርሑቕ ምብርቕ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜሪካ ዝነበረ ጀነራል ማካርተር” መጽሓፍ ጥበብ ኲናት ካብ ጣውላይ ፈልየዮ ኣይፈልጥን’የ” ይብል ነይሩ። ኣብ 1990ታት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣሜርካ ዝነበሩ ጀነራል ኮሊን ፖልን ጀነራል ሽዋሪዝኮፍ ምስ ሱን ጹ ዝመሳሰል ጥበብ ኲናት’ዮም ተጠቂሞም – ንጸላኢ ጌጋ ስእሊ ምሃብ(ምግጋይ)፡ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ምፍጻምን ድኽመታት ጸላኢ ምግንዛብን ዝብላ ኣምራት ኣብ ተግባር ኣውዒሎም’ዮም። ሓያልን ክምህ ዘይብልን ዝበሃል ዝነበረ ናይ ሕብረት ሶቭየት ናይ ስለያ ትካል ኬ.ጂ.ቢ. ‘ንጸላኢ ምግጋይ’ ንዝብል ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣምር ብጥንቃቐ ይጽንዖን ይትግብሮን ከምዝነበረ’ዩ ዝፍለጥ። “ንጸላኢ ድኽመታትና ከም ብልጫና፡ ብልጫና ድም ከም ድኽመታትና ኮይኑ ከምዝርድኦ እንተገይርካ፣ ድሕሪኡ ሓያል ጎኒ ጸላኢ ክዳኸም’ዩ” ንዝብል ሓሳብ ሱን ጹ፡ ኬ. ጂ.ቢ. ከም መምርሒ ይጠቀመሉ ከምዝነበረ ይንገር።
ብምቕጻል እምበኣር ሱን ጹ ጥበብ ኲናት ኢሉ ኣብ ዝሰመዮ ምጽሓፍ ካብ ዘስፈሮም ኣደነቕቲ ሓሳባት ንገሊኦም ክንርኢ፦
- እቲ ዝዓበየ ጥበብ ኲናት፡ ንጸላኢ ብዘይ ውገእ ምድኻም’ዩ።
- ወተሃደራዊ ስልቲ ከም ዋሕዚ ማይ’ዩ – ማይ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ኣብ ዝወርደሉ እዋን ንዋሕዙ ዕንቅፋት እንድሕሪ ኣጋጢምዎ ኣንፈት’ዩ ዝቕይር – ዋተሃደር’ውን ንዝጋጥምዎ መሰናኽላት ንምብዳህ ኣብ ዝሕግዙ ኣማራጺታት ተምርኲሱ እንተተጓዒዙ’ዩ ስርሑ ቀጻልተነት ክህልዎ ዝኽእል።
- ከምቲ ማይ ብስሩዕ ዘይውሕዝ፡ ኲናት’ውን ቀዋሚ ኣፈጻጽማ ስለዘይብሉ፡ ከከም ኩነታት ክቀያየር ይግባእ።
- ገዚፍ ይኹን ውሑድ ዓቅሚ ዘለዎ ስራዊት ኣብ ምምራሕ ብዙሕ ፍልልይ የብሉን – ነቲ ገዚፍ ሰራዊት በመጠን ‘ቲ ውሑድ ዓቐን ኣለዎ ንብሎ ዘለና ሰራዊት ምምቕቓል ጥራይ’ዩ ዘድልየና።
- ከም’ትዕወት እንተደኣ ኣረጋጊጽካ ተዋጋእ፣ ከም’ትሳዕር እንተደኣ ፈሊጥካ ኣይትዋጋእ። ወደሳ ይኹን ወቐሳ ኣይትፍራሕ።
- ንፉዕት ጀነራላት ንወተሃደራቶምን ድፋዓቶምን ኣጸቢቖም’ዮም ዝፈልጡ። ብዛዕባ ድፋዕካ ብንጹር ዘይትፈልጥ እንተኾይንካ ዓወት’ውን ኣይንጽረልካን’ዩ፣ ብዛዕብ ወተሃደራትካ ዘይትፈልጥ እንተኾይንካ’ውን ብዛዕባ ምዕዋትካ ርግጸኛ ክትከውን ኣይትኽእልን።
- ኣብ ዝሓየልካሉ እዋን ድኹም ምሰል፣ ኣብ ዝደኸምካሉ እዋን ሓያል ምሰል።
- ውጥንካ ከም ጸልማት ግብ ዝበለ ይኹን፣ ክትብገስ ከለኻ ግን ከም በርቂ ተወርወር።
- ጸላኢኻ እንተደኣ በርቲዑ ኣንሳሕብ፣ ጸላኢኻ ሓራቕ እንተኾይኑ ተኹቱኮ፣ እንተደኣ ቀሲኑ ዕረፍቲ ክልኣዮ፣ ኣብዘይተዳለወሉን ዘይተጸብዮን እዋን ኣጥቅዓዮ – ከም ሓዊ ኣጥቅዕ ከም ጎቦ ኮይንካ ተኽላኸል።
- ክተጥቅዕ ኣብ ትኽእለሉን ዝተዳለኸሉን እዋን ከምዘይትኽእልን ከምዘይተዳለኻን ምሰል፣ ቀሪብካዮ ከለኻ ጸላኢኻ ኣብ ርሕቕ ከምዘለኻ ኮይኑ ከምዝስምዖ፡ ርሑቕ ከለኻ ድማ ዝቐረብካዮ ኮይኑ ከምዝርድኦ ግበር።
- ኣብ ግዜ ውግእ ንጸላእትኻ 10 ንሓደ ብዝኸውን ኣሃዝ እንተበሊጽካዮም ክበቦም፣ 5 ብሓድ ብዝኾነ ኣሃዝ እንተበሊጽካዮም መጥቃዕቲ ፈጽም፣ ብዕጽፍ ትበልጽ እንተኾይንካ ንወተሃደራትካ ኣብ ክልተ ክትጉጅሎም ትኽእል ኢኻ።
- ኣበየናይ ቦታ ክትዋጋእ ከምዝሓሰብካ ክተፍከጥ የብልካን፣ እንተዘይኮኑ ጸላኢኻ ብዝተፈላለይ ኣንፈት ከምዝዳሎ ትሕግዞ’ለኻ- ብዝተፈላለየ ቦታ ዝዋሓደ ሓይሊ ብምጥቃም ቁመናኻ ንኸናውጽ ዕድል ትህቦ ኣለኻ ጥራይ ዘይኮነ ሓይሉ ከምድላዮ ንኸዘዋውር ተፍቀደሉ ኣለኻ ማለት’ዩ።
- ብጸላኢ ንዝተተሓዘ ኣጸጋሚ ቦታ ንምቁጽጻር ክትዋጋእ ከለኻ፡ ጸላኢ ከይተዳለወ ብሃንደበትን ብፍጥነትን ኣጥቅዕ፣ ጸላኢ ከምተጥቅዕ ፈሊጡ ኣቐዲሙ ክዳሎ እንተኺኢሉ ንኽትምለስ’ውን ከሸግረካ’ዩ፡ ዝስዕብ ዕንወት’ውን ሰፍ ዘይብል’ዩ ዝኸውን።
- ክልቲኦም ተጻራድቲ ወገናት ኣብ ምጀምርታ ኣብ ዝገብርዎ ምንቅሳት ኣገደስቲ ቦታታት ክቆጻጸሩ እንተዘይኪኢሎም ውግእ ካብ ምቕጻል ምንስሓብ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ’ዩ። ጸላኢ ሃዲሙለይ ኣሎ ኢሉ ነቲ ኣገዳሲ ቦታ ገዲፉ ደድሕሪኻ ክጎዪ ኣብ ዝጅምረሉ፡ ጸረ- መጥቃዕቲ ገይርካ ምውጋእ ዝሓሸ ውጽኢት ኣለዎ።
- ጸበብቲ መስጋገሪታት ኣቐምካ እንተሒዝካ፡ ኣብ ክንዲ ደድሕሪ ጸላኢኻ ምጉያይ ንዝሓዝካዮ ቦታ ንዝተወሰነ ግዜ ጸንዕካ ሓዝ፣ ጸላኢኻ ኣቐዲሙ እንተሕዝዎ ድማ ሓይሉ ኣጸቢቑ ክሳብ ዝዳኸም ተጸበ እምበር ብጸበብቲ መሰጋገሪታት ኣይትሕለፍ።
- በሪኽ ቦታ ኣቐዲምካ እንተሕዝካ ኣቀማምጣ ሰራዊትካ ብግቡእ ብምውዳብ ጸላኢኻ ክሳብ ዝመጽእ ተጸበ፣ ጸላኢ ኣቐዲሙ እንተተቖጻጺርዎ ግን ናብኡ ኣይትኺድ – ካብ ዘለኻዮ ቦታ ንድሕሪት ብምንስሓብ ካብ ዘልዎ በሪኽ ቦታ ከምዝወርድ ደርኮ – ድሕሪ’ዚ ኢኻ ድማ መጥቃዕቲ ክትጅምር ዘለካ።
- ጸላኢ ካብ ዘለዎ ቦታ ርሒቕካ እንተ’ሊኻን ሓይሊ ሚዛን ተመጣጣኒ እንተኾኑን፡ ንኽተጥቅዕ ኣይክጥዕመካን’ዩ፣ እንተ’ጥቂዕካ ድማ ጸላኢኻ ላዕለዋይ ኢድ ክሕዝ’ዩ።
- ወተሃደራትካ መጥቃዕቲ ድልዋት ከምዝኾኑ ፈሊጥካ ከለኻ፡ ጸላኢኻ ከጥቅዕ ከምዝኾነ እንተዘይፈሊጥካ ናይ ምዕዋት ዕድልካ ፍርቂ’ዩ።
- ጸላኢኻ መጥቃዕቲ ከምዝፍኑ ፈሊጥካ ከለኽ ብድልውነት ወተሃደራትካ ትጠራጠር እንተደኣ ኾይንካ ናይ ምዕዋት ዕድልካ ፍርቂ’ዩ።
- ጸላኢኻ መጥቃዕቲ ክፍኑ ከምዝኾነን ወተሃደራትካ’ውን ኣብ ጽቡቕ ቁመና ከምዘለዉ ፈሊጥካ ከለኻ እቲ ትዋጋኣሉ ቦታ ምቹእ ምዃኑ እንተዘይፈሊጥካ ናይ ምዕዋት ዕድልካ ፍርቂ’ዩ።
- ጥዑም ዘረባ ጸላኢን ናይ ምድላው ምንቅስቓሳቱን እንተደኣ በዚሑ፡ ንውግእ ይዳሎ ከምዘሎ ተገንዘብ፣ ፈኸራ እንተብዚሑን ከጥቅዕ ከምዝኾነ ምልክታት እንተ’ርእዩ ግን ከንሳሕብ ከምዝኾነ ተረዳእ።
- ካብ ጸላኢ ክርከብ ዘለዎ ኣርባሒ ዕድላት ክርከብ እንተዘይተኻኢሉ ወተሃደራት ሞራሎም ጎዲሉ’ሎ ማለት’ዩ፣ ኣብ መዓስከር ሁከትን ዕግርግርን እንተበዚሑ ኣዛዚኦም ድኹም’ዩ ማለት’ዩ፣ መኮንናት ብቐሊሉ ዝቑጥዑ እንተኾይኖም ወተሃደራቶም ተጨኒቖም ኣለዉ ማለት’ዩ።
- ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምርባሻን ዘይምትእምማን እንተበዚሑ ብደቅቕቲ ጉዳያት ቅልውላው ስለዝፍጠር ነቲ ዝተወጠነ ዓወት ይደናጉዮ’ዩ።
- ኪኢላ ጀነራል ዝበሃል ጸላኢኡ እንታይ ክከላኽል ከምዘልዎ ከምዘይፈልጥ ገይሩ ብዘይሓሰቦ ምንገዲ ዘጥቅዕን፡ ጸላኢኡ እንታይን ብኸመይን ከጥቕዕ ከምዝኾነ ንዝሓቦ ዝከላኸል’ዩ።
- ኣቐዲሙ ዘይጥርጥርን ንጸላእቱ ኣቕሊሉ ዝርኢ ጀነራል፡ ኣብ ኢድ ጸላእቲ ከምዝወድቕ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
- ኣዛዚ ስራዊት ንውድቀት ዝዕድምዎ፦ ሸለልትነት፡ ፍርሒ፡ ምንዳርን ካብ መጠን ንላዕሊ ንክብርኻ ምጭናቕን’ዮም።
- ሓደ ጀነራል ብዝእዝዞ ሰራዊት ዝተኣማመን እንተኾይኑን ትእዛዛቱ ከምዝፍጸም እንተገይሩን ሓባራዊ ዓወት ክሓፍሱ’ዮም። ብካልእ ወገን፡ ስልጣን ዘይብሉ፡ ትእዛዛቱ ንጹር ዘይኮነን ዘይክበርን፡ ትሕቲኡ ንዘለዉ መኮንናት ቀዋሚ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ዘይህብን መዓረግ’ውን ከከም ዝስርሕዎ ዘይህቦምን እንተኾይኑ፡ ውጽኢቱ ናይ ውዳበ ምዝንባል’ዩ ዝፈጥር። ኣዛዚ፡ ሓይሊ ጸላኢ ክግምት ዘይክእል እንተኾይኑ፡ ውሱን ሓይሊ ሰራዊቲ ናይ ምግባር ዓቕሙ ዓቢ ምስዝኾነ ሓይሊ ጸላኢ ክዋጋእ እንተገይሩ፡ ሓያላት ተዋጋእቲ ኣብ ቅድሚት ንምስላፍ ዝማታእ እንተኾይኑን ውጽኢቱ ምድምሳስ’ዩ።
- ኣብ ኲናት ዕላማኽ ምዕዋት ክኸውን ኣለዎ እምበር ነቲ ኲናት ከምዝናዋሕ ኣይትግበሮ።
- ዕላማ ተካይዶ ኲናት ምዕዋት እንተኾይኑ፡ መራሒ ሃገር እንተኸልከለካ’ውን ጸኒዕካ ተዋጋእ፣ ዕላማ ‘ቲ ኲናት ምዕዋት እንተዘይኮይኑ ግን መራሒ ሓገር ተዋጋእ እንተበለካ’ውን ክትዋጋእ የብልካን።
- ኣዛዚ ሰራዊት ዋልታ መንግስቲ’ዩ። ዋልታኡ ዝተማለአ እንተኾይኑ ‘ቲ መንግስቲ ድልዱል ይኸውን፣ ዋልታኡ ዝተጎናደብ እንተኾይኑ ግን ‘ቲ መንግስቲ‘ውን ይዳኸም።
- ወተሃደራት ቀድሚ ወተሃደራት ምዃኖም እንተተቐጺዕም ትሑታት ዘይኮኑ ልኡማት’ዮም ዝኾኑ፣ ወተሃደራት ምስኮኑ ዘይቅጽዑ እንተኾይኖም ድማ ዘይረብሑ’ዮም ዝኾኑ።
- ወተሃደራት ብሰብኣዊ ኣተሓዛዝ ክትሓዙ ይግባእ፣ ይኹን ደኣ እምበር ኣተሓሕዝኦም ከም ሓጺን ዝተርር ስነ-ስርዓት መሰረት ዝገበረ ክኸውን ይግባእ – ከምዚ ዝበለ ኣተሓሕዛ ንመንገዲ ዓወት ውሑስ ከምዝኸውን’ዩ ዝገብሮ።
- ወተሃደራት ብርቱዓት ኮይኖም መኮንናት ድኹማት እንተደኣ ኮይኖም ሳዕቤኑ ዘይምእዛዝ ይኸውን፣ መኮንናት ሓያላት ኮይኖም ወተሃደራት ድኹማት እንተኾይኖም ድማ ‘ቲ ሳዕቤኑ ምፍራስ’ዩ ዝኸውን።
- ላዕለዎት ምኮንናት ተቖጢዖም ምእዛዝ እንተኣብዮምን እቲ ኣዛዚ ድማ ንምውጋእ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከምዘሎ ቅድሚ ምዝራቡ ጸላኢ ኲናት እንተኸፊቱን ሳዕቤኑ ዘስካሕክሕ ዕንወት’ዩ ዝኸውን።
- ወተሃድራትካ ከም ደቅኻ ትርእዮም እንተኾነካ ኣብ ጎድንኻ ደው ይብሉ፡ ናብ ዝኣተኻዮ ገደል ይኽተሉኻን ምስኻ ክሞቱ ቁሩባት ይኾኑን።
- ንወተሃደራትካ ሕያዋይ ብምዃንካ ትእዛዛትካ ዘይፍጸም እንተኾይኑ፣ ተደናጋጻይ ኮይንካ ትእዛዛትካ ዘይክበር እንተኾይኑ፡ ንወተሃደራትካ ስርዓት ዘይተትሕዞም እንተኾይንካ፣ ከምዝተበላሸዉ ደቅኻ’ዮም ዝሕሰቡ – ንዝኽነ ዓይነት ስርሒት ንኽፍጽሙ ብቕዓት ዘይብሎም ይኾኑ።
- ንኽትዕወት ዘኽእሉኻ 5 ረቛሒታት፦
- መኣስ ክትዋጋእ ከምዘለካን፡ መኣስ ክትዋጋእ ከምዘይብልካን ምፍላጥ
- ኣገባብ ኣተሓሕዛ ላዕለዎት ሓለፍትን ካልኦት ወተሃደራት ምርዳእ
- ኩሎም ኣባላት ሰራዊት ብሓደ መንፈስን እምነትን ክተንቀሳቕስ ምኽኣል
- ንባዕሉ ዘዳሉን ጸላኢ ንኽዳሎ ዕድል ዘይህብን
- ወተሃደራዊ ሞያ ዘለዎን ኣብ ስርሑ ጣልቃ ፖለቲካዊያን ሓይሊታት ዘየፍቅድን
- ንገዛእ ርእስኻን ንጸላኢኻን ኣጸቢቕካ ትፈልጥ እንተደኣ ኮይንካ ሓደ ሽሕ ዂናት እንተ’ጋጢሞምኻ’ውን ብዝዕባ ሒዞሞ ዝመጹ ውድኢታት ዘስግእ የብልካን።
- ገዛእ ርእስኻ ፈሊጥካ ንጸላኢኻ ዘይትፈልጥ እንተኾይንካ ኣብ ኩሎም ዓወታትካ ዝተሳዓርካ ኮይኑ’ዩ ዝስማዓካ።
- ንገዛእ ርእስኻን ንጸላኢኻን ዘይትፈልጥ እንተኾይንካ ድማ ካብ ኩሎም ውግኣት ተሳዓሪ ትኸውን።
- ኪኢላ ተዋጋኢ ዝብሃል ንስዕረት ከምዘይሕሰብ ቆጺሩ፡ ጸላኢ ንዝሰዓረሉ ህሞት ዘየሕልፍ’ዩ።
- ዝለዓለ ጥበብ ዘለዎም ሰለይቲ ኣብ መዓላ ምእካብ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ዘዋፍር በሊሒ መራሒ ኲናት ዓቢ ዓወት’ዩ ዘምዝግብ።
- ኣብ መስርሕ ኲናት ሰለይቲ ኣዝዮም ኣዝዮም ኣገደስቲ’ዮም። ምኽንያቱ ዓቕሚ ሰራዊትን ምንቅስቓሳቱን ዝውሰን ብኸምዚኦም ዝኣምሰሉ ኪኢላታት’ዩ።
- እዞም ዝስዕቡ 5 መንገድታት ናይ ስለያ ውዳበታት ዝተኸተለ መራሒ ኲናት ነቲ ኣዚዩ ክቡር ዝኾነ ወተሃደራዊ ትካል ክመርሕ ይኽእል፦
- ኣብቲ ከባቢ ብዝነብሩ ሰባት ዝምዘዙ ሰለይቲ
- ብሰበ ስልጣና ጸላእቲ ዝውደቡ ሰለይቲ
- ብጸላእቲ ንዝተወደቡ ሰለይቲ መሊስካ ኣንጻር ጸላኢ ክስልዩ ብዝምደቡ ሰለይቲ
- ብወግዒ ኣጋጋዪ ሓበሬታት ዝዝርግሑ ሰለይቲ
- ኣብ ውሽጢ ድፋዕ ጸላኢ ናይ ኣዘዝትን ተሕጋገዝቶምን ዘጽንዑ ስለይቲ
- ንዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣወዳድባ ሰለይቲ ኣብ ግብሪ ዘውዓለ መራሒ ኲናት ከምዝዕወት ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ሱን ጹ ከምዝርኣናዮ፡ ድሕሪ 2500 እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ዝፈጥ ሰብ’ዩ ነይሩ።
ዘገርም’ዩ!
ብሱን ጹ
ትርጉም ሩፋኤል ተስፋሚኪኤል