back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ቢንያም ግርማ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2021 ኮይኑ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ መዛእንኡ ንብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2021 ዝተሮቕሐን፡ ኣብ ቻምፕዮና ዓለም 2021 ቤልጁም ዓቢ ዓወት ዘመዝገበን ቢንያም ግርማይ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ 2021ብምዃን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማይ ግዜ ክልተ ግዜ ኣከታቲሉ ነዚ ዓወት ዝዓተረ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብምዃን ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ።

እዚ ብኣካየቲ ቅድድም ብሽክለታ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ (ጋቦን) ዝተኻየደ ምርቛሕ፡ ብንያም ግርማይ ኣብዚ ዓመት ዘመዝገቦ ዓበይቲ ዓወታት ነቲ ስልማት ከምዝበቅዖ ይፍለጥ። ብተወሳኺ መርሃዊ ቅዱስ ሳልሳይ ደረጃ ክስራዕ ከሎ ሄኖክ ምሉእብርሃን ድማ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ነዚ ስልማት ዓቲሮሞ።

ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብንያም ግርማይ ኣብ 2020 ዝብለጸ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኮይኑ ምሽላሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ስልማት ካብ ዝጅመር ንመበል ሻድሻይ ግዜ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ዓቲሮሞ ይርከቡ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles