ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ መዛእንኡ ንብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2021 ዝተሮቕሐን፡ ኣብ ቻምፕዮና ዓለም 2021 ቤልጁም ዓቢ ዓወት ዘመዝገበን ቢንያም ግርማይ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ 2021ብምዃን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማይ ግዜ ክልተ ግዜ ኣከታቲሉ ነዚ ዓወት ዝዓተረ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብምዃን ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ።
እዚ ብኣካየቲ ቅድድም ብሽክለታ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ (ጋቦን) ዝተኻየደ ምርቛሕ፡ ብንያም ግርማይ ኣብዚ ዓመት ዘመዝገቦ ዓበይቲ ዓወታት ነቲ ስልማት ከምዝበቅዖ ይፍለጥ። ብተወሳኺ መርሃዊ ቅዱስ ሳልሳይ ደረጃ ክስራዕ ከሎ ሄኖክ ምሉእብርሃን ድማ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ነዚ ስልማት ዓቲሮሞ።
ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብንያም ግርማይ ኣብ 2020 ዝብለጸ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኮይኑ ምሽላሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ስልማት ካብ ዝጅመር ንመበል ሻድሻይ ግዜ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ዓቲሮሞ ይርከቡ።