back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ፈጻሚ ጉዳያት ኣሜርካ ኣብ ኤርትራ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜርካ ንዝሃቦ መግለጺ ነጺጉ

ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ዘውጽኦ ከምኡ’ውን ሚኒስትሪ ዜና ብ3 ታሕሳስ ዘስፍሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ቅኑዕ ኣይኰነን ክብል ኤንባሲ ኣሜሪካ ካብ ኣስመራ ኣብ ናይ ፌስቡክ ድሕረ ገጹ ገሊጹ። 

እቶም ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘለው  ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ንናይ ግብረ – ሰናይ ሓገዝ ከይረኽቡ ዓጊቶም እዮም፡ ኣብ ርእሲ እዚ’ውን ከምቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብጀነራል ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ  ከምኡ’ውን ብብዙሓት ካልኦት እተመዝገበ ከም ምግሳስ፡ ምቕታል ቈልዑ ዝኣመሰለ ከቢድን ኣስፋሕፊሑን ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም እዮም ክብል ብትሪ ኣስፊሩ። 

ቅድሚ ሕጂ ውን ኣብ ኣስመራ ዝርከብ  ኤንባሲ ኣሜሪካ ነታ ብመንግስቲ ኤርትራ እትውነን ፕሮፋይል ናይ እንግሊዘኛ ጋዜጣ ርእይትኡን ነቀፌትኡን ከም ዝሰደደ፡ እንተኾነ ከም ዘይዘርግሕዎን ምስ ፈለጠ፣ ብመንገዲ ፌስቡክ ነቲ ዝለኣሎ መልእኽቲ ደጊሙ ከም ዝዘርግሖ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብተዳጋጋሚ ብመንገዲ facebok ካልእን ዘለዎ መርገጽን ሓሳብን የስፍር ምጽንሑ ብተወሳኺ ይፍለጥ። 

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ንሓዋሩን ብህጹጽን ንሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ሰሜን ትግራይ ከተውጽኦምን ብተዳጋጋሚ ጻውዒት ከተቅርብ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ  ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብቐጻሊ ግጉይ ወተሃደራዊ ተሳትፎ ምህላዋ ነቲ ዞባ ረባሺት ከም ዝኾነትን፣ ነቲ ድሮ ጸንኪሩ ዘሎ ኩነታት ከቢድ ዝኮነ ናይ ጥሜት ዓጸቦ ንዝተጠቅዑ ናይ ግብረ – ሰናይ  ንከይሓልፉ ዕንቅፋት ምምግባራ፡ ነቲ ኵነታት የጋድዶ ከም ዘሎን፣ ከምኡ’ውን ነቲ ግጭት ፍታሕ ንምርካብ ውዕላት ንምግባር ንዝግበር ጻዕርታት ይዓናቕፎ ኣሎ ክብል ኤንባሲ ኣሜሪካ ካብ ኣሰመራ ብመንገዲ ፌስቡክ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ቅሬትኡ ገሊጹ። 

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜርካ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብኣባል ባይቶ ኣሜርካ ሺርማን ዝተባህለ ዝቀረበ፡ ኤርትራ ናብ ትግራይ ዝበጽሕ ሓገዝ ዓጊታ ዝብል ሓሶት ምዃኑን፡ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምትሕልላፍ ዝግበር፡ ክትተሓባበር ከምዝኾነትን ምግላጹ ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles