back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

ካብ ዘቤታዊ ሕሰም ክሃድም ኣብ ኢድ ግዳማውያ ዝወደቀ ዜጋ

ወላ እኮ ናብዚ ህጉም እዚ ከምርሕ: እቲ ምኽንያታዊ ዝኾነ መበገሲ ሽግርን መሰረታዊ ጠንቕን ካልእ እንተኾነ !!! ንገለ ዜጋና ኪኖ ጉዳዩን ጸገሙን ምግባር ኣብ ካልእ ጉዳይ ከኹድዶ ተኾዲሙ ክጽበ ዝጸንሐ ካልእ ብዓል ጉዳይ ድኣ ጎነፎ። ብዓል ጉዳይ ጉዳዩ ብኽጥዕሞ ዝኽእል ክኸውን ድማ ፈታውን ሓቃፍን ኢየ ብምባል ኣእምርኡ ብምእሳር ካብ ጉዕዝኡ ኣካለፎ።
እቲ ጉዕዞ ናይቲ ዛንታ በዚ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ መትሓዚ ተሳእኖ ኣካይዳ ክኸይድ ተባሂሉ ዘይኮነስ መህደሚ ኣብ ዘይብሉ ከርዲንካ ብውሑዳት ካብ ውሽጦም ረቁሕካ ክእለየሉ ዝኽእል መገዲ ይፈጠር ኣብ ዝብል ሰባት ዓዲምካ ኢዩ ኣብ ዕጹው ክላስ ዘተ ዝጅምር።
እንክጅምር ካብተን ብዙሓት ዝጠመያ ገለ ውሑዳት በሊዐን ዝምጉሳ ብምኹላስ ከብደን ኣጽጊብካ ኣፍ ብዙሓት ኮይነን ዝምድራሉ መገዲ ብምጥጣሕ ኢዩ ንስራሕ ሀ ኢሉ ጀሚሩን ቀጺሉን ዝቕጽል ዘሎን !!!
ከምቲ ሓደ ክዘምት ዝወፈረ ሓይሊ ዘለዎ ኣኻኺቡ ዘለካ ዘራግፍ ጸላኢ ዘይኮነስ: ዘለካ ከተራግፍ ብዘለካን ኣለዉኒ ትብሎምን ክትረግፍ ካብ ሓሳብ ናብ ተግባር ዝወፍረ ስልታዊ ዘመተ ኢዩ። መን ግን ይንገር: መን’ከ ይርአ : መን’ከ ይስማዕ !!! ፍዝዝ : ግስም: ልኩት ኢልካስ ጠጠው ቅህም
እቲ ባይታ ኹሉ ሕዙን ዝሕወሶን ተጎድአን ተቀንዘወን ብዓውታ ዘልቕሰሉ ከም ዝኸውን ይገበር ብምባል ኢዩ ሰብ ክውሕዞ ተሰቢኹሉ !!! ከብዶም ኣጽጊብካ ካብ መንጉኡ ዝወፈሩ ኣስለቃሻት ነቲ ጉዱእ ልቡ ብምቅስቃስ ኣብ ኣፉን ከብዱን ዝነበረ ጋሓጊሖም ብምውጻእ እቲ ንዓመታት ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ክነብዕ ዘይተራእየን ዘይተፈቅዶን ዓዒንቲ ሰብ ዝወስድ ንብዓትን ዓለም ዘናውጽ ኣውያትን ኮነ ። ጉዱእ ልቢ ልቡ ዝፍውስ ሰማዒ ዝረኸበ መሰሎ እሞ ነቲ በሉ እስከ ዳስ’ዶ ክንተኽለልኩም ዝብል ዘረባ ኣሰሰይቲ ተቀበሎ።
ጉድእ ልቢ ኡይ ዝብለሉ ባይታ ረኺበ ብምባል ጽዕነት ውሽጡ ከቃልል ዘልቅሰሉ ባይታ ተዋሂብዎ ብኣስለቃሻት ተሰንዩ ምስ ጉዳኣት ኢና ዝብሉ ተተማራሪሑ ብምምጻእ ተሃኑ ኣውጽአ። ኣብዚኣን :ኣብቲኣን : ከምዚኣን : ከምቲኣን : እና በለ ዝነበርኦን ዝስምዖን ዝሓለፎን ብምግላጽ ሕማም ልቡ ከቃልል ዑዕ ብምባል ነዊሕ ናይ ውሽጡ ተሳሕገ።
ኣስለቃሻት ተልእኹኦም ንምፍጻም ከከም ዛንትኡን ስምዒቱን ኣኣብ ዝዝመጾ በብመዓልቱ ኣሳለይዎ።
እንተኮነ ኣብ’ቲ ዳስ ሕዙናት ነቲ ልቡ ኣጥፊኡ ከልቕስን ውሽጣዊ ሓዘኑ ከዕለብጦን ዘዝረኣይዎ ዘበለ ሓዘንተኛ ተታቃባቢሎም ሕነ ንኽፈዲ ዝንውንዉን ዝጉጽጉጹን ቃላት ዝተፍኡ ሓጸብቲ ርእሲ ኣጎዝጎዙሉ : :
ሓዘንተኛ ርእሱ ብጉልብቡ ንኻብ ኣፎም ዝወጽእ ዘበለ ትግርኛ መዓልታዊ ከም ዕለታዊ መግቢ ብምውሓጥ ተመገቦ : : እቲ ምስ ዋይ ኣነ ኣሕዋተይ ኣይ ሰብ ዘይረኽቦ እንዲኹም ረኺብኩም : ዝብል ምስ ልምዳዊ መዳዓዓሲ ሓዘንተኛ ዘሳልይዎ ትግርኛታት ኣብ ጥሙይን ሕዙንን ከብዱ ዘርእሉ : : እቲ ዝለመዶን ዝብሎን ዝነበረ ናይ መረረ ቃንቁኡ ተቀየረ:: ያ እዚኦም እኮ ኣቦታትና ኮይኖም እምበር ዝገበሩና እኮ ግብሪ ኣይኮነን፡ ዝብል ልሙድ መግለጺ ሓዘኑ ናብ ባዕለዲኦም ይፈልጡ ከነጥፍኦም ኣሎናን ከነጥፍኦም ኢናን ዝብል ናይ ሕነ ምፍዳይ ወኒ ረቀቀ::
ኣፋዊ ቂምታ ኣፋዊ ሕነ ምፍዳይ ወለደ : : መሰረታዊ ሕቶታቱን ጠንቂ ሽግሩን ተረስዐ :: እቶም ኣደዓዓስቲ ሓዘንን ኣስለቃሻትን ኮይኖም ኣብቲ ዳስ ተረኽቡ ኣካላት ብሓፍ በል ኮፍ በል ዝብል ዘማሓድርዎ ዕሙር ናይ እዚ ማእከሎም ኮይኑ ናብ ዘይፈልጦ ሓድሽ ዛንታን ካልእ ናይ መርድእ መድረኽን ተሰጋገረ : :
ዓመርቲ ንሕዙን ዝያዳ ኣብ ጉዱእ ልቡን ሕሙም መንፈሱን ክጻወቱ ዕድል ተፈጥረ :: ኮነን ኮነሎምን ድማ:: ንሓዉ ክበልዕን ከጥፍኦን ኢየ ዝብል ምዕሩይ ምትእኽኻብ ዘይብሉ ማእከል መዐንደሪ ኣፋዊ ዓውታ ተፈጥረ: : ኩሎም እቶም ክነጻጽሉ ይኽእሉ ኢዮም ተባህሉ ዛዕባታት ካብ ፖከቲካዊ ኣተሓሳስባ ክሳብ : ብሄርን: ኣውራጃን : ሃይማኖትን ዝብሉ ቀጸላታት ተላዒሎም ብውሽጣዊ ሓይሉ ብስሩዕ ብምጉስጋስ ናብ ፍጹም ዕንወት ክግስግስ ተመርሐ !! እዚኦም ብምባል ብኣፉ ኣጛጠጠ ብርሑቕ ኣዋጣወጠ !!
ኩሉ እቲ ካብ ኣሕዋቱ ክንጽሎ ይኽእል ኢዩ ዝብሃል ተፋሕረ:: ኣብ ቤቱን መረበቱን ናተይ ዝብሎምን ናቶም ዝብሎን ኣብ ርእሱ ተሰርሐ :: ካብ ደረፍቲ :ክሳብ ደረስቲ: ካብ ሚኒስተራት: ክሳብ ጀነራላት: ካብ ኣዴታት : ክሳብ ኣቦታት: በብስምዒቱ ከም ንብረት ተማቐለ :: በቶም ክምስርሕዎ ተቀረቡ ዘይወግዓውያን ተላኣኣኽቲ ኣካየድቲ ስራሕ እና ተኣልየ ድማ ንዕንወታቱ ከም ረብሓን ዓወትን ብምውሳድ ውሽጡ ብሕሙሙ ርእሱ ብዱርሙሙ ሰጎመን ሰዓቦን:: እንተ ፈውሲ ግን ወይ’ከ :: ቀጸለ ግን:: ነድሩ ሰማይ ክዓርግ ቂምትኡ ከየዝሕል ተጸልወ :: በለ ድማ !!!
ናይ ቀረባ መቃርስቲ ሓዉ ነጺሉ ሓወይ ዝብሎ ጎሮበት ተዳለወሉ : : ህሉው ካርታ ሓኺኽካ ሃገረይ ዝብሎ ተሰርሐሉ:: ባንደራ ኣቃጺልካ ባንደራይ ዝብሎ ከከም ቆልኡ ኣሰከምዎ : :
ኣነ ኣነ ኣይኮንኩን ብምባል ኣደመ :: እዚ ታሪኽ ኣይታሪኸይን ኢዩ ደገመ ::እቶም ቀንዲ ሰብ ውራይን ኣስለቓሻት ኣሳሰይቶም ኣሕዋቱ ኣንጨብጨብሉ እሞ ሞሳ ተሰመዖ ::ወዮ ሕጹብ ርእሲ ምስ ግዜ ኣነ እንታይነተይ ካልእ ኢዩ ኣብ ዝብል ዕዮኦም ረዓመ ::
እዚ ዝረኣዩ ሰብ ጉዳይን ጎረስቲ ቕጫን ነቲ ባዕሎም ዝፈጠርዎ ኣፋዊ ጎንጺ ከም ፍጹምን ዝነበረን ብምቕራብ ንብኩራት ናይዞም ዝሓጸብዎም ዜጋታት ከም ኣብነት ብምጥቓም ንኻልኦት ዜጋታት ደጊምካ ንምብላዕን ምልባዕን ኤርትራዊ ፍቅሪ ይኹን ስኒት ዘይብሉን ዘይነበሮን መጽኢኡ ዝፈረሰ ሕብረተሰብ ኢዩ ኣብ ዝብል ውዱእ መደምደምታ ንኽብጻሕ ዘፍረስዎ ኣራእስ ተተሰኪሞም ብምምጻእ ኣብ ፈቆዶ ናይ ሜድያ ፍኒስትራታት ንምስክርነት ከም ክዳን ሰብ ይሰጥሑ ኣለዉ : :
ሕጂ ውን ደጊሞም ብብኩራት ዜጋታቱ ካብ ምሽቃል ሓሊፉ ብኣባህላታቶም ሕብረተሰቡ ንዝዕቅን ርእሲ ሓደጋ ክወድቅዎ ኢዮም::

Related Articles

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles