ውዱብ ጥዕና ዓለም፡ ኦሚክሮን(omicron) ዝተሰየመ ኮሮና ቫይረስ፡ ካብ ዝሓለፉን ዝጸንሑን ዓይነት ኮሮና ቫይረስ ብቡዙሕ ዕጽፍታት ምቅይያር ቅርጽን ውሽጣዊ ትሕዝቶን ኣዝዩ ዝቀየረ ዝበሃል፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኩለን ግዝኣታት እታ ሃገር ክርአ ከሎ፡ ኣብ እስራኤልን ቤልጁምን ከምዝተረኽበ ክግለጽ ከሎ፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኣዝዩ ዘሻቅል ምዃኑ ይሕበር።
ውዱብ ጥዕና ዓለም ንኦሚክሮን(omicron) ኮሮና ቫይረስ ኣመልኪቱ ህጹጽ ኣኼባ ከምዝገበረ ክግለጽ ከሎ፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኣብ ሃገረን ዝግበር በረራ ደው ክብልን ዜጋታተን ቆዋሚ መንበሪ ፍቃድ ዘለዎም ናብ ሃገራተን ክምለሱ ከለዉ ናይ 14 ማዓልቲ ውሸባ ክገብሩ ከምዝወሰናን ተሓቢሩ ይርከብ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ማላዊ፡ ዝምባብወ፡ ሞዛምቢክ፡ ኣስዋንቲ፡ ሌሰቶ፡ ቦትስዋናን ናሚቢያን ካብ ሰኑይ ዕለት 29 ሕዳር ተግባራዊ ዝኸውን ናይ በረራ እገዳ ክትገብር ምውሳነ ብተወሳኺ ይፍለጥ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዜጋታት ኣሜርካን ቆዋሚ መንብሪ ፍቃድ ዘለዎም ኣብዚ እገዳ እትዋት ኣይኮኑን።
ክታበት ኣንጻር ኮሮና ዝፍርያ፡ ክልተ ዓበይቲ ትካላት፡ሞደሪናን ፋይዘርን፡ ነዚ ሓዲሽ ክስተት ብዕቱብ ይከታተልኦ ከምዘለዋን፡ ብ ቁልጡፍ ኣብ መጽናዕቲ ናይቲ ኣቀዲሙ ዝፈረየን ኣብ ጥቅሚ ዝወዓለን ክታበተን ክህልዎ ዝክእል ጸልዋ ኣብ ምግታእ ፈተነታት ድሮ ከምዝጀመራን፡ ሓደ ሓደ ሓደሽቲ ስትራተጂ ኣብ ምሕንጻጽ ከምዘለዋን ይሕብራ። ዛጊት በዚ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ኮሮና ቫይረስ እኹል ከምዘይኮነን ዝያዳ መጽናዕቲ ከምዘድልዮን ተመራመርቲ ክሕብሩ ከለዉ፡ ብዘሎ ሓበሬታ ግን ካብ’ቲ ብ ደልታ(Delta) ዝተሰመየ ዓይነት ኮሮና ቫይረስ ንላዕሊ ሓያል ናይ ምልባዕ ተኽእሎ ክህልዎ ከምዝክእል ይሕብሩ።
ቁጽሪ ተለኸፍቲ ኮቪድ 19 ብደረጃ ዓለም ኣስታት 260 ሚሊዮን ክብጽሕ ከሎ፡ ኣስታት 5 ሚሊዮን ዝኣኽሉ ከኣ ብሰንኪ እቲ ሕማም ከምዝሞቱ ይሕበር።