ጓል 21 ዓመት ምዃና ዝንገረላ፡ ኣብ 2018 ርዋንዳ ኪጋሊ ኣብ ዝተኣንገደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ጁንየር ቀዳመይቲ ብምውጻእ ዓወት ዝሓፈሰትን፡ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ቤልጁም ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ዓለም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተጠርኒፋ ዝተሳተፍትን ፕሮፈሽናል ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ደሴት ኪዳነ፡ ኣብ ከባቢ ማይ ነፍሒ ብዘጋጠማ ሓደጋ መኪና ትማሊ ዕለት 08 ሕዳር ከምዝዓረፈት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ካብ 2018 ጀሚራ ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ዩሲኣይ፡ ምስ ክለብ ምስ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም (UCI Worlds Continental Team)ዝጸንሐት ደሴት ኪዳነ፡ ኣብ 2018 ናይ ጽርግያ ውድድር ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ጁንየር፡ 2ይ ደረጃ ናይ ጽርግያ ውድድር ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ናይ ኤሊትን ከምኡን ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኣንገደ ኦል ኣፍሪካን ጌምስ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ልዕል ብቅዓት ዝነበራን ብዙሕ ዓወታት ዝዓተረት ውልዶ መንእሰይ ምንባራ ይሕበር።