back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኤርትራዊት ፕሮፈሽናል ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ደሴት ኪዳነ ብሓደጋ ዓሪፋ

ጓል 21 ዓመት ምዃና ዝንገረላ፡ ኣብ 2018 ርዋንዳ ኪጋሊ ኣብ ዝተኣንገደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ጁንየር ቀዳመይቲ ብምውጻእ ዓወት ዝሓፈሰትን፡ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ቤልጁም ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ዓለም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተጠርኒፋ ዝተሳተፍትን ፕሮፈሽናል ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ደሴት ኪዳነ፡ ኣብ ከባቢ ማይ ነፍሒ ብዘጋጠማ ሓደጋ መኪና ትማሊ ዕለት 08 ሕዳር ከምዝዓረፈት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ካብ 2018 ጀሚራ ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ዩሲኣይ፡ ምስ ክለብ ምስ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም (UCI Worlds Continental Team)ዝጸንሐት ደሴት ኪዳነ፡ ኣብ 2018 ናይ ጽርግያ ውድድር ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ጁንየር፡ 2ይ ደረጃ ናይ ጽርግያ ውድድር ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ናይ ኤሊትን ከምኡን ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኣንገደ ኦል ኣፍሪካን ጌምስ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ልዕል ብቅዓት ዝነበራን ብዙሕ ዓወታት ዝዓተረት ውልዶ መንእሰይ ምንባራ ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles