back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ክግዕዙ እዮም

ብ 14 ጥቅምቲ 2021፡ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ዉሑስ ቦታ ርዋንዳ ን ምግዓዝን ን ምስፋርን ዝምልከት ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ ሩዋንዳን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት(UNHCR)፡ ስሉሳዊ ስምምዕ ከምዝተፈራረሙ ተሓቢሩ። እዚ ኣብ 2019 ኣብ መንግኦም ንዝነበረ ኣፈናዊ ናይ ምርድዳእን ስምምዕን ናብ ዝላዕለ ምትሕግጋዝን ምስምማዕን ዝገበርዎ ምፍርራም፡ ብ ዕለት 14 ጥቅምቲ፡ ን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ንዝርከቡ፡ብወለንትኦም ናብ ርዋንዳ ክግዕዙን፡ መንግስቲ ሩዋንዳ ነቲ ዝነበረ ዓቕሚ ብዝሒ ምቅባል ስደተኛታት ካብ 500 ናብ 700 ክብ ከብል ከምዝኾነ እቲ ስምምዕ ዝሕብር።

ብመሰረት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ መንግስቲ ርዋንዳ ንስደተኛታት ዘድሊ ኩሉ ውሕስነት ክህብ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት(UNHCR) ከኣ ን ኩነታት ስደተኛታት ዘላቂ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ክሰርሕን ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ምምላእ ክነጥፍ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ዘድሊ ሓገዛት ናይ ምውዳብ ዓቅሚ፡ ጸጋታትን ፖለቲካዊ ደገፍ፡ ትምህርት ስልጠናን ክገብር ከምዝኾነ እቲ ዝወጸ መግለጺ ነቲ ስምምዕ ብምጥቃስ ይገለጽ።

ርዋንዳ፡ ካብ መስከረም ናይ 2019 ጀሚራ ኣስታት 648 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቁባን ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ከምዝጋዓዙ ክሕበር ከሎ፡ ዜጋታት ኤርትራ፡ካሜሮን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን፡ ሶማልን ጫድን ሙዃኖም ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles