ሓደ ካብቲ ኣብ ሰነ 2018 ካብ ዝተፈረሙ ስምምዓት መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ምትግባር ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ከምዝርከቦ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ገሊጹ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፌስቡክ ብሰሉስ 26 ጥቅምቲ ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ መሰረት፡ ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ዝተረፈ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣድላዪ ዘበለ ክገብራ ሃገሩ ከምትምሕጸን ሓቢሩ። ብተወሳኺ እቲ ኤምባሲ ኣብ ኤርትራ ኣብ 2002 ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢዮጵያን ንባድመ ንኤርትራ ከምዝሃባ ኣብቲ መግለጺ ኣስፊሩ ይርከብ
ድሕሪ ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ 2018 ነቲ ስምምዕ ካብ ምትግባር ሓንጊዱ ከምዝጸነሐን ኣብ 2018 ግን ምስ ምምጻእ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ ከምዝተቀበለቶ ይፍለጥ። ነዚ ስዒቡ እቲ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ዝተወስደ ነቲ ናይ ኮሚሽን ዶብ ውሳኔ ምቅባል ውሳነ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣከራኻሪ ጉዳይ ኮይኑ ከምዝጸንሐ እዩ ዝፍለጥ።
ድሕሪ ምውላዕ ወተሃደራዊ ግርጭት ዝሓለፈ ሕዳርኣብ ኢትዮጵያ፡ ባድመ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኤርትራ ከምዘላ ይፍለጥ።