back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ሱዳን ኣብዚ ሒጂ ሰዓት ዕልዋ መንግስቲ ይካየድ ኣሎ

ማዕከናት ዜና ኣልጀዚራን ሮይቶርስን ን ኣልሓዲሳ ዝተባህለት ማዕከን ተሌቪዥን ብምጥቃስ ከምዝጸብጽበኦ፡ ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ንምንበሪ ገዛ ቀዳማይ ሚንስተር ዓብዳላ ሓምዶክ ድሕሪ ምውራር ኣብ ማሕዩር ከምዘእተውዎ ሓቢረን።
ብመሰረት እቲ ክሳብ ሕጂ ብሮይቶሪስ ዝወጸ ሓበሬታ፡ 4 ሚኒስተራት ናይ’ታ ሃገር ተኣሲሮም ከምዘለው እኳ እንተ ተሓበረ፡ እቲ ነዚ ዜና ዘቃለሐት መደበር ተለቪዢን ኣልሓዲሳ፡ ምንጭታቱ ግልጺ ኣይገበረን ኣሎ።

ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብዝልጠፍ ዘሎ ስእልታት ሓበሬታትን፡ ድሕሪ እቲ ትማሊ ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፊልትማን ኣብ ሱዳን ምስ ወተሃደራውን ስቪላውን መራሕቲ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ የጋጥም ምህላውን፡ድሮ ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ መራሕቲ ካብቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ምዃኖም ይጥቀስ ኣሎ።
ብውሽጣዊ ሽግራት ክሕመስ ዝጸንሐ ግዝያዊ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝቀረባ ኣዋርሕ ፍልልያቱ ዓብዩ ናብ ደረጃ ዕልዋታት ክፈታተን ከምዝጸንሐ ይሕበር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተኻየዱ ስለፍታት፡ ክልተ ኣንጻር ዕላማታት ከምዝነበሮም ክጥቀስ ከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ምብራቅ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግር የጋድዶ ምህላዉ ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles