back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

ደብዳብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ነፋሪት ሰብኣዊ ረዴኤት ኣተዓናቚፉ

ሰብኣዊ ረዲኤት ዝሓዘት ነፋሪት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ደብዳብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ናብ ከተማ መቐለ ክትገብሮ መዲባቶ ዝነበረት ምብጻሕ ኣቛሪጻ ከይዓለበት ከምዝተመልሰት ሮይቶርስ ገሊጹ።

ብመሰረት ሮይቶርስ እታ ነፋሪት፡ ብዓርቢ ናብ መቐለ ክትዓልብ እኳ መደብ እንተ ነበራ፡ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመበል ራብዓይ ግዜ ኣብ ልዕሊ ከተማ መቐለ ደብዳብ ብምፍጻሙ ክትዓልብ ኣይከኣለትን።

ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ፡ እንዳ ጸንከረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ መንግስቲ ወተሃደራዊ ዕላማታት እዩ ዝበሎም ኣብ ልዕሊ ከተማ መቐለ ደብዳበ ነፈርቲ ከካይድ ከምዝጀመረ ማዕከናት ዜና ክጽብጽባ ጸኒሐን ኣለዋ።

እዚ መንግስቲ ክልል ትግራይ ሰለማዊ ህዝቢ ዕላማ ዝገበራ እየን ክብል ከሎ፡ ብሰንኪ እዚ ደብዳብ ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ውድብ ሕብራት ሃገራት ይሕብሩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles