ጓል 14 ዓመት እንከላ ካብ ኤርትራ ናብ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተሰደት ኤርትራዊት በዓልቲ ሞያ ሕክምና ነርስ ምብራቕ ገብርሂወት ንዝለዓለ ብልጫ ናይ “ደይሊ ሜይል ጀጋኑ ጥዕና” ተባሂሉ ዝፍለጥ መደብ ተዓዋቲት ኮይና።
ነርስ ምብራቕ ብዘይካ’ዚ ፡ ክንክን ጥዕና ናይ ምብላዕ ጸገም ዘለዎ ሰባት ብምምሕያሻ ካብ ቀዳማይ ሚንስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ኣድናቖት ረኺባ ትርከብ።
ነርስ ምብራቕ ገብረሂወት፡ ኣብ እዋን ለበዳ ንሕሙማት ንምሕጋዝ ሕሉፍ ተወፋይነት ብምንጽብራቕ ምስቶም ን ሽልማት ደይሊ ሜይል ምስ ዝበቕዑ ናይ መወዳእታ 7 ሰባት ከምዝተሰርዐት መርበብ ሓበሬታ ደይሊ ሜል ኣብ ጸብጻቡ የፈልጥ።
ነርስ ምብራቕ ገብረሂወት፡ ኣብቲ ዓመታዊ ዝወሃብ “ሽልማት ጅግና ጥዕና” ተባሂሉ ዝፍለጥ መደብ፡ ነቲ ሽልማት ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚንስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንስን ከምዝተቀበለቶን፡ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ብኣጋጣሚ ናይ’ቲ መደብ፡ ከም በዓል ነርስ ምብራቕ ዝኣመሰሉ ሰብ ሞያ ህይወቱ ከምዘድሓንዎን ንሃገሩ ድማ ኣብ ጽንኩር እዋን ጠጠው ከምዘበልዋን ገሊጹ ክብላ ማዕከናት ዜና ዓባይ ብሪጣንያ ኣፍሊጠን።