back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

መንግስቲ ሆላንድ ንሰምሳሪ ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ መዝገብ ቀንዲ ተደለይቲ ገበነኛታት ኣእትይዎ

መንግስቲ ኔዘርላንድ፡ ኣብ ምስግጋር ደቂ ሰብ ክሰርሕ ምጽንሑ ንዝገለጾ ኪዳነ ዘካርያስ፡ ካብቶም ኣዝዮም ተደለይቲ ገበነኛታት ስም ዝርዝር ከምዘእተዎን፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝገበሮ ገበን ተኸሲሱ ኣብ ሕጊ ክቀርብ ከምዝወሰነን ተፈሊጡ።
ኣኽባር ሕጊ ኔዘርላንድ፡ ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ መኻዚኖታት ሊብያ ናይ መጭወይቲ፡ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ፡ ዝምታን ከምዝፈጸመ፡ ካብ ኣብ ኔዘርላንድ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከረጋግጽ ከምዝኸኣለን፡ ን ኣሰጋገሪ ወዲ-ሰብ ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ ሕጊ ከቅርቦ ከምዝሰርሕን ይሕብር።

ናብ ሕጊ ንምቕራቡ፡ መንግስቲ ኔዘርላንድ ምስ መንግስቲ ጥልያን ብቀረባ ይሰርሕ ከምዘሎ እቲ መግለጺ ወሲኹ ይሕብር።

ብመሰረት ሕጊ ሃገረ ኔዘርላንድ፡ ኣብ ዓለምለካዊ ሕጋዊ ስልጣን ኣምር ዝተመርኮሰ፡ ዝኾነ ገበን ካብ ሃገረ ኔዘርላንድ ወጻኢ ዝተገበሩ፡ ከሰስቲ ናብ ቤት ፍርዲ ክሶም ከቅርቡ ከምዝኽእሉ፡ ኣክባሪ ሕጊ ኔዘርላንድ ይገልጽ።

ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ ኢትዮጵያ ተታሒዙ፡ ጉዳዩ ብ ቤትፍርዲ ኢትዮጵያ እንዳተራእየ ከሎ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት ከም ዝሃደመን ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከምዘሎ ከምዘይፍለጥን ይሕበር።

ኤውሮጳውያን ሃገራት ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣሰጋገርቲ ንዝበልኦም ብዙሓት ኤርትራውያንን፡ ካልኦት ዜጋታትን ናይ ጽኑዕ ማእሰርቲ ስጉምታት ክወስዳ ምጽንሐን ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles