መንስግቲ ግብጺ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቱርክን ዝተበጽሐ ውዕል መሸጣ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን)፡ ኣብ መንጎ ግብጽን ቱርክን ወጥሪ ከይጎሃህር ብምስጋእ፡ ነቲ ውዕል ንምድስካል ን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ከምዝሓተተት ሮይቶሪስ ንምንጭታት ጸጥታ ግብጺ ብምጥቃስ ኣፍሊጡ።
ክልተኣዊ ዝምድና ኣብ ምምሕያሽ ዝርከባ ግብጽን ቱርኪን፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ስምምዕ ክልቴን ሃገራት ኣብ ዝዘራረባሉ ግዜ ክመያየጣሉ ከምዝግባእ ምንጭታት ኣፍሊጦም ክብል ጸብጻብ ሮይቶሪስ ብተወሳኺ።
ቱርኪ፡ ሰደድ ኣብ መዓላ ኲናት ዝውዕላ ሰብኣሎቦ ነፈርቲ ምስ ኢትዮጵያን ሞሮኮን ብምምያጥ ከምዘስፋሓቶ ምንጭታት ብተወሳኺ ይገልጹ።
በብእዋኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ቱርኪ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝዓደገን፡ ኣብዚ ነቲ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ድማ ኣብ መዓላ የውዕሎ ምህላው ይግለጽ።
ግብጺ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ጀሚራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ብምህላዋ፡ ካብ ኢትዮጵያ ክመጻ ንዝኽእል ስግኣት ንምምካት፡ ምስ ብዙሓት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ስምምዓት ትኽትም ምህላዋ ይፍለጥ። ምስ ግብጺ ጽቡቅ ዝምድና ሒዛ ዘላ ሱዳን፡ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድን፡ መሰለጠኒ ማእከልን ከምዝኸፈቱ ይዝከር።