back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታታ ይካየድ ኣሎ

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣኣብ ዝርከቡለን ከተማታትን ሃገራትን፡ ኣብ ሊብያ ኣብ ከቢድ መግደራ ኣትዮም ዝርከቡ ስደተኛታታ፡ ውሕስነቶም ክሕሎ፡ ማእሰርትን ግፍዕን ጠጠው ክብልን፡ ናብ ውሑስ ቦታ ንምስግጋሮም ስጉምቲ ክውሰድን ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት የካይዱ ምህላዎም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ድማ ንዝቅጽል መዓልታት ተመዲቡ ምህላዉን ካብ ዝተፈለላየ ሃገራት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ድሮ ኣብ ሽወደን፡ ከምኡ’ውን ዓዲ እንግሊዝ ተኻይዱ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት፡ ሰለፈኛታት ኣብ ኤምባሲ ሊብያ ብምትእኽኻብ፡ መንግስቲ ሊብያ ውሕስነት ናይዞም ስደተኛታት ክሕሉ ክጽውዑ ከለዉ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR) ኣብ ሊብያ ስርሑ ንምክያድ ዘድሊ ምትሕብባር ክግበርን ጸዊዖም።

ኣብ ዝቅጽል መዓልታት ኣብ ኣሜርካ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት፡ ኣብ ካናዳ፡ ጀርመን፡ ደኒማርክ፡ ስዊዘርላንድን ካልኦት ሃገራት ሰለማዊ ሰልፊ ንምግባር ተመዲቡ ከምዘለዎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ሊብያ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ብምስምስ ጸጥታ ምሕላውን ምህዳን ኣስገጋርቲ ደቂሰብ፡ ሓሽሽን ኣጽዋርን፡ ብምባል ሓድሽ መንግስቲ ሊብያ ኣስታት 5 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ጎደናን ዝርከብሉ ቦታን ከምዝዳጎኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ስደተኛታት ክሃድሙ ኣብ ክሳብ ሞት ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዝበጽሐ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ጸብጻብና ምግላጽና ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles