back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ንሶማልን ኬንያን ኣብ ዘሰሓሕብ ጉዳይ ውሳነ ሂቡ

ኣህጉራይ ቤት ፍርዲ ዓለም(International court of justice)ሎሚ ነቲ ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልን ዘሰሓሕብን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርክብ ማይዊ ዶብ ኣመልኪቱ ወሳኒ ሂቡ።

ሎሚ 12 ጥቅምቲ 2021፡ ነቲ ሶማል ዘቕረበቶ መጎት ዝድግፍ ውሳነ ኣሕሊፉ። ኬንያን ሶማልን ዘሳሓሕበን ኣስታት ሚኢቲ ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜተር ዝስፍሓቱ፡ ዕቁር ሃብቲ ጋዝን ጻዓትን ክህልዎ ዝኽእል ህንዲያዊ ውቅያኖስ፡ ሶማል እቲ ዶባ ነቲ ናይ መሬታ ዶብ ዘሎ ናይ ክልቴን ሃገራት ብምኽታል ትኽ ኢሉ ኣብ ህንዶያዊ ውቅያኖስ ከኸውን ኣለዎ ክትብል ከላ፡ ኬንያ ብወገና እቲ ናይ መሬት ዶብ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ምስ በጽሐ 45 ዲግሪ ተዓጺፉ ትኽ ኢሉ ክኸይድ ኣለዎ ብምባል ምጒተን ከቅርባ ምጽንሐን ይፍለጥ። ብተወሳኺ ኬንያ ካብ 1979 ጀሚረ ኣብ ትሕቲ ግዛተይ እዩ ዝማሓደሮ ነይረ ዝብል ምጎት ምቅራባ ይሕበር።

ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዝተመስረተ ኣብ መንጎ ኣባል ውዱብ ሕቡራት ዝኾና ሃገራት ንዝፍጠር ግጭት ንክፈትሕ ዝቆመ ትካል ውዱብ ሑቡራት ሃገራት፡ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዓለም(International court of justice) ብመሰረት ሶማል ዘቕረበቶ ክሲ ኣብ ልዕሊ ኬንያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2014 ዓመት፡ ነቲ ኲነታት ክርእዮ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ውሳነ ዝህብ ዘሎ። እዚ ውሳነ ናይ መወዳእታን ቀያድን ሙኻኑ ይሕበር።

ኬንያን ሶማልን ነቲ ዘለወን ምስሕሓብ፡ ብልዝብን ምዝርራብን ንክፈትሖ ኣብ 2009 እኳ ተተሰማምዓ፡ ኣብ 2014 ክልተ ግዜ ክራኸባ ከለዋ፡ ን መበል 3ይ ግዜ ንክራኸባ ኣብ ዝተሰማማዓሉ መዓልቲ፡ ሰበ-ስልጣን ኬንያ ብዘይ ቀደም መጠንቀቅታን ሓበሬታን፡ ኣብቲ መዓልቲ ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም፡ ሶማል ብ ልዝብን ዝርርብን ነቲ ጉዳይ ክንፈትሖ ስለዘይከኣልና ብዝብል ምኽንያት ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዓለም(International court of justice) እቲ ጉዳይ ንክርእዮን ውሳነ ንክወሃቦን ዝጠልብ ክሲ ናብ’ቲ ቤት ፍርዲ ምቅራባ ይዝከር።
ብሰንኪ እዚ ዝተላዕለ ኣብ መንጎን ምፍሕፋሕ ናይ ዲፕሎምሲ ክርአ ከምዝጸንሐ ክፍለጥ ከሎ፡ ኬንያ ክሳብ ኣምበሳድራ ካብ ሶማል ምስሓባን ዝኾነ ዓይነት በረራ ካብ ኬንያ ናብ ሶማል ከምዝኣገደትን ይፍለጥ።

ኬንያ፡ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ዝህቦ ውሳነ ከምዘይትቅበልን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣፍልጦ ዝሃበቶ ነቲ ቤት ፍርዲ ከምትስሕቦ ክትገልጽ ከላ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ዓቕምን ብቕዓትን ዝጎደሎ፡ ወገንነት ዝረኣዮ እዩ ክትብል ከሲሳ። ብተወሳኺ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚራ ኣብ ዝኾነ መጋባእያ ናይቲ ጉዳይ ካብ ምስታፍ ጠጠው ከምዘበለት ይፍለጥ።
ኬንያ ብኣሻሓት ዝቁጸሩ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾኒ ኣብ ሶማልያ ከምዘለዉዋ ይሕበር።

እዚ ናይ ሎሚ ውሳኒ፡ ነቲ ከባቢ ዓቢ ጽልዋ ከምዝህልዎን፡ ሳዕቤን ዘኸተሎ ቀሊል ከምዘይከውንን ዝተፈላለዩ መንጭታት ይገልጹ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,374ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles