ኣብ ዝሓለፈ 30 መሰከረም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ማይ ዓይኒ፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ህጻናት ብጥምየትን ዓጸቦን ከምዝመቱ ራድዮ ኤረና ንምንጭታታን ስድራቤት እዞም ህጻናት ብምጥቃስ ሓቢራ።
እዞም ሰለስተ ህጻናት እቶም ክልተ ኣሕዋት ክኾኑ ከለዉ፡ እቲ ሓደ ድማ ካብ ካልእ ስድራቤት ምዃኑ ብምጥቃስ ራድዮ ኤረና፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሞንጎ ተቐርቂሮም ሓገዝን ሰብኣዊ ረዲኤትን ክበጽሖም ብዘይምኽኣሉ ነዚ ኲነታት ተቓሊዖም ምህላዎም ብተወሳኺ እታ ራድዮ ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ክልተ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳያት ዝተፈላለየ ዓመጻት ይኾኑ ምህላዎም ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ምጥቃሱ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ሒጂ ኣጋጢምዎም ዘሎ ኲነታት ዋሕዲ ቀረብ መግብን፡ ዝብላዕን ግን ዝኸፍአ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ኲናት መዓስከራት ስደተኛታት ሽመልባን ሕጻጽን ብፍጹም ክዓንዋ ከለዋ፡ ኣብአን ዝነበሩ ስደተኛታት ብዙሓት ከምዝተቐትሉን፡ ከምዝተጨወዩን፡ ፍርቆም ድማ ናብተን ዝተረፋ ክልተ መዓስከራት ውዱብ ሕብራትን ሃገራትን ገሊኦም ብውልቆም ሃዲሞም ከምዝኣተዉን ይፍለጥ።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይምእታዉ፡ ብዙሓት ህጻናት ብዓጸቦን ጥሜትን ክሞቱ ጀሚሮም ምህላዎም ክጥቀስ ምጽንሑ ይዝከር።