back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ዶክተራት ብዘይ ዶብ ጃምላዊ ማእሰርቲ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከምዝተሓሳሰቦ ገሊጹ

ካብ ባሕቲ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ብ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብዝተኻየደ ግፋ ብውሑዱ 5000 ስደተኛታት ተኣሲሮም ከም ዘለው፡ ግብረ ሰናይ ማሕበር ዶክተራት ብዘይዶብ (MSF) ኣብ ውግዓዊ መርበብ ሓበሬትኡ ብ 6 ጥቅምቲ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ-ሰናይ ማሕበር እዚ ተርእዮ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ሃንደበታዊ ዝተኻየደ ግፋ ቆልዑን ደቅንኣንስትዮን ከምዘለው እውን ሓቢሩ። እቲ ትካል ብተወሳኺ፡ እቶም ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዝተገፉ ስደተኛታት ከቢድ ኣካላዊ ማህሰይትን ጾታዊ ዓመጽን ከምዝወረዶም ገሊጹ።

ንሓላፊት ጨንፈር ዶክተራት ብዘይዶብ ኣብ ሊብያ ብምጥቃስ፡ ሓይልታት ጸጥታ እቶም ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ኢ-ሰብኣዊ ኩነታት፡ ልዕሊ ዓቐን ሰብ ኣብዝሓዛ ቦታታት ከምዘለዉ ትካል ሓቢሩ። “ኣብ ትሪፖሊ ዝነብሩ ስደተኛታት ንብምሉኦም ስድራቤታት ተታሒዞምን ብኢድ ተኣሲሮምን ናብ እተፈላለየ ማእከላት ማእሰርቲ ኣግዒዞምን እዮም። ኣብዚ መስርሕ እዚ ሰባት ተጐዲኦም ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ተቐቲሎም ስድራቤታት ተፈላለያ ኣባይቶም ድማ ዓንዩ ኣሎ። “ክትብል ኢለን ቫን ደር ቫርደን ዝተባህለት ሓላፊት ጨንፈር እቲ ትካል ምሕባራ፡ እቲ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ኣፍሊጡ።
“እተዓጥቁን ገጾም እተሸፈኑን ኣባላት ጸጥታ፡ ነታ ምስ ሰለስተ ካልኦት ሰባት ዝነብረላ ዝነበርኩ ቤትና ኣጥቂዖም” ክብል ሓደ ሽሙ ክዕቐበሉ ዝተደልየ ስደተኛ። “ኣእዳውና ብድሕሪ ዝባንና ኣሲሮም ካብ ገዛ ጐቲቶም ኣውጽኦምና፡ ንብረትናን ኣገዳሲ ወረቓቕትናን ንኽንእክብ ግዜ ክህቡና ንልምኖም እኳ እንተ ነበርና ኣይሰምዑናን፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ተቐጥቂጥና። ገሊኦም ሰባት ኣብ ኣእጋሮም ተቐጥቂጦምን ተሰይሮምን እዮም። ብጠበንጃ ገይሮም ርእሰይ ወቕዑኒ ከቢድ ጕድኣት ድማ ኣጋጢመኒ። እቶም ማስኬራ እተኸድኑ ደቂተባዕትዮ ንዅላትና ናብ መካይን ኣእትዮምና። ድሕሪኡ ኣብ ማእከል ማእሰርቲ ጎት ሻኣል ኣቲና። ኣነ ኣብኡ ንኣርባዕተ መዓልቲ ጸኒሐ፡ ረዳኢ ዘይብሎም ሰባት ብኣጽዋር ክቕጥቀጡ ኸለዉ ምርኣይ ድማ ኣዝዩ ኣጸጊምኒ። ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣምሊጠ። ሕጂ ናጻ እየ፡ናጻ እየ” ክብል እቲ ስደተኛ ምስክርነቱ ምግላጹ ይሕበር።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓደ መንእሰይ ስደተኛ ከምዝተቀትለን እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ካልኦት ከኣ ተወጊኦም ከምዘለዉ ይሕበር። እቶም እተኣስሩ ናብቲ መንግስቲ ዝቆጻጸሮ ማእከላት ማእሰርቲ ተወሲዶም፡ ጽሩይ ማይ፡ መግብን ወይ ዓንዪ ምድሪ ኣብ ዘይብሉ ብሰባት ኣብ እተጨቓጨቐን ቤት ማእሰርቲ ድማ ተድጒኖም ምህላዎም እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይሕብር።

ካብ 200 ክሳብ 250 እሱራት ጥራይ ክሕዝ ኣብ ዝኽእል ኣብ ሻራ ዛዊያ ኣብ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ነብሰ-ጾራትን ሓደስቲ ዝተወለዱ ናጽላታትን ዝርከብዎም እሱራት ከምዘለዉ ኣባላት ማሕበር ዶክተራት ብዘይዶብ ብዓይኖም ከምዝረኣዩ እቲ ማሕበር ይጠቅስ። ብመሰረት እዚ ሓበሬታ፡ ክሳብ 120 ዝኾኑ ኡሱራት ንሓንቲ ዓይኒ ምድሪ ይጥቀሙ ምህላዎም ይሕበር።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣል-ማባኒ ጕጅለታት ኤም. ኤስ. ኤፍ. ሓያሎ ደቂ ተባዕትዮ ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ተረኺቦም ህጹጽ ሕክምና ከምዘድለዮምን፡ ኣብ ደገ እቲ ሸላታት ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኣንስትን ቈልዑን ብዘይ ጽላል ወይ መዕቈቢ ኣብ ግዳም ይተሓዙ፡ ገሊኦም ንሰለስተ መዓልቲ ከምዘይበልዑ ክገልጹ ከለዉ ሓያሎ ኣንስቲ ግን ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ባኒን ጅብናን ጥራይ ከም እተዋህበን ምግላጸን ይሕብር።

ኣባላት ማሕበር ኤም .ኤስ .ኤፍ ናብ ኣል-ማባኒ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ እተኣስሩ ስደተኛታትን መምልጡ ክፍትኑ ከለዉ ከምዝረኣዩ ናይ ዓኒ ምስክርነቶም ሂቦም። “ኣብ ጥቓና ክልተ ግዜ ተዅሲ ምስ ሰምዑ ጕጅለና ብዘይ ንሕስያ ክወቕዑ ከለዉ ርእዮም እዮም፣ እዞም ደቂተባዕትዮ እዚኣቶም ጸኒሖም ናብ መካይን ብግዴታ ተጻዒኖም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም” ክብል እቲ ማሕበር ብተወሳኺ ምስክርነቱ ኣስፊሩ።

ኣብ መወዳእታ ኤም .ኤሰ.ኤፍ መንግስቲ ሊብያ ነቲ ጅምላዊ ማእሰርቲ ስደተኛታት ደው ከብሎን እቶም ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ተኣሲሮም ንዘለው ድማ ክፈተሖም ጸዊዑ። ኤም .ኤስ .ኤፍ ብምቕጻል ብሓገዝ ተዛመድቲ ውድባት ኣብ ክንዲ ማእሰርቲ ውሑስን ሰብኣዊ ክብሪ ዘማለአን ኣማራጺታት ከለልይዎ፡ ከምኡውን ትካላት ግብረ-ሰናይ ካብ ሊብያ ስደተኛታት ናብ ምጒዓዝ መስረሕ ዳግም ክጅምሩን መስርሕ በረራ ስደተኛታት ካብ ሊብያ፡ ዳጊም ክጅመር ንሰበ ስልጣን ናይ’ታ ሃገር ተማሕጺኖም ኣለው።

ኣብ ሊብያ ኣዝዮም ብዝሒ ቁጽሪ ዘለዎም ኤርትራውያን ማእከላይ ባሕሪ ንምስንጣቅ ከምዝጸንሑ ኣብዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሽግር ግዳያት ይኾኑ ምህላዎም ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles