ኮምቴ ድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ካልኦት 15 ማሕበራት፡ ጋዜጠኛታትን ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቅትን፡ መንግስቲ ካናዳ ሰብሰልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝዓለመ እገዳ ክገብር ጸዊዖም። ሲፒጂ እዞም ማሕበራትን መንግስቲ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ እንተላይ እቲ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝርከብ ዳዊት ኢሳቅ ሓዊስካ ዘካይዶ ዘሎ ምግሃስ ብምግላጽ እዮም እገዳ ክግበረሎም ጸዊዖም።
እዚ ሎሚ 06 ጥቅምቲ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሲፒጂ ዝወጸ ሓበሬታ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ክልተ 10 ዓመታት እውን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅ ወሪዱ ዘሎ ኣተሓሕዛን ማእሰርትን፡ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንዝወርድ ዝነበረ ነቀፌታ ደው ንክብል ዝወሰዶ ናይ ማእሰርትን መጭወይትን ስጉምቲ ከብቅዕ ከምዝግባእ ዳይርክተር ፕሮግራም ኣፍሪቃ ኣብ ሲፒጂ ኣንጀላ ኲዋንተል ጸዊዓ።
ኣብ መስከረ 2001 ካብ ቤቶምን ጎደናታት ተጨውዮም ምስ ተወስዱ ክሳብ ሎሚ ደሃዮም ክርከብ ዘይከኣለ ኣሰናዳእትን ጸሓፍትን ጋዜጣታት ብሕቲ ኤርትራ፡ ንምፍትሖም ተደጋጋሚ ጻውዒት ክካየድ እኳ ተጸንሐ፡ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ገቢቱ ዝርከብ ስርዓት ግን ደሃዮም ካብ ምስዋር ሓሊፉ ዝኾነ ለውጢ ከምዘይርኣየ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ንዳዊት ኢሳቅ ንምጥባቅ ዝቖመ ማሕበር፡ ዳዊት ኢሳቅ 99% ብህይወት ከምዘሎ ዝሕብር ሓበሬታ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር።
እቶም ዝተረፉ ጋዜጠኛታት፡ ደሃዮምን ኣበየናይ ቤትማእሰርቲ ከምዘለዉ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘየለ ስድራቤታቶም ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብ 2001 ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ብዙሓት ጋዜጠኛታትን፡ ዳይርክተራት ትካላትን ምኒስተራትን ምእሳሮም ይዝከር።