ካብ 18 መስከርም ጀሚሩ ኣብ ዝሰላሰል ውድድራት ቻምፕዮን ዓለም በልጅዩም 2021፡ ምስ ትሕቲ 23 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኮይኑ ውድድሩ ዘሰላስል ዘሎ ቢንያም ግርማይ፡ ሎሚ ንኣስታት 161 ኪሎሜተር ኣብ ዝሸፈነ ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት ንሃገራዊት ጋንትኡ ናይ ፈለማ ዓወት ኣብ ቻምፕዮና ዓለም (World Championship) ብሩር መዳልያ ኣግዚምዋ።
ቢንያም ግርማይ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተገብረ ቅጽበታዊ ውድድር ንኢጣልያዊ ባርኮኒ ፍሊፖ ብምስዓብ እዩ ነዚ ዓወት ክሓፍሶ ክኢሉ።
ኣብ በልጅዩም ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 3 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 12 ተጻወቲ ሓቂፋ እያ ውድድራ ተሰላስል ዘላ።