back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ቢንያም ግርማይ ናይ ፈለማ ዓወት ንሃገሩ ኤርትራ ኣብ ውድድራት ቻምፕዮን ዓለም ኣግዚምዋ

ካብ 18 መስከርም ጀሚሩ ኣብ ዝሰላሰል ውድድራት ቻምፕዮን ዓለም በልጅዩም 2021፡ ምስ ትሕቲ 23 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኮይኑ ውድድሩ ዘሰላስል ዘሎ ቢንያም ግርማይ፡ ሎሚ ንኣስታት 161 ኪሎሜተር ኣብ ዝሸፈነ ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት ንሃገራዊት ጋንትኡ ናይ ፈለማ ዓወት ኣብ ቻምፕዮና ዓለም (World Championship) ብሩር መዳልያ ኣግዚምዋ።

ቢንያም ግርማይ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተገብረ ቅጽበታዊ ውድድር ንኢጣልያዊ ባርኮኒ ፍሊፖ ብምስዓብ እዩ ነዚ ዓወት ክሓፍሶ ክኢሉ።

ኣብ በልጅዩም ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 3 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 12 ተጻወቲ ሓቂፋ እያ ውድድራ ተሰላስል ዘላ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles