ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሶሎሙን እትእለ ንብዙሓት ኣብ ኤውሮጳ ምስ ዓበይቲ ክለባት ዝቀዳደሙ ፕሮፈሽናላት ተጻወቲ ዘካተተት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ በልጅዩም ካብ 18 ክሳብ 26 መስከረም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ቻምፕዮን ዓለም ትሳተፍ ምህላዋ ይፍለጥ።
እዛ ኣብ ናይ ዓበይቲ ንከም መርሃዊ ቅዱስ፡ ዳዊት የማነ፡ ናትናኤል ብርሃነን መትከል እዮብን፡ ኣብ ትሕቲ 23 ዓመት (U23) ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ብንያም ግርማይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ጴጥሮስ መንግስን ኤፍሬም ገብርሂወትን፡ ከምኡ’ውን ካብ ደቂ ኣንስትዮ ደሴት ኪዳነ፡ ብስራት ገብረመስቀልን ኣድያም ተስፋኣለምን ዘካተት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ናይ ውልቅን ጋንታን ናይ ግዜ ውድድር፡ ናይ ጽርግያን ካልኦት ውድድራትን ነዞም ተጻወቲ ከተሰልፎም ምዃና ይሕበር።
ኣብ ናይ ግዜ ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት ሄኖክ ምሉእብርሃን ከምኡ’ውን ኣድያም ተስፋኣለም ካብ ደቂ ኣንስትዮ ምስታፎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ተዘይኮይኑ፡ ዓበይቲ ውድድራት ዓለም ተሞኩሮ ዘይብላ ኣድያም ተስፍኣለም መበል 46 ደረጃ ብምምዝጋብ ዝነኣድ ውጽኢት ኣመዝጊባ ትርከብ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ዓበይቲ ክለባት ዝጻወቱ ተቀዳደምቲ ዝሓቆፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ ኣህጉራውን ዓለማውን ተርታ ጽቡቅ ደረጃ ከትሕዝዋ ተስፋ ይግበር።