ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆኦ ባይደን ን ጉዳይ ቅልውላው ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ፡ ብ ዕለት 17 መስከረም 2021 ሓድሽ ፕረዚደንታዊ ኣዋጅ ከምዘውጸአ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተዋህበ ሓበሬታ ይገልጽ። እዚ ምስ ዝሓለፈ ግዜ ዝወጸ ኣዋጅ ተመሳሳሊ ክኸውን ከሎ፡ ኣብዚ ናይ ሒጂ ኣዋጅ ሰፊሕ ኲነታት ከምዘጠቓልልን ኣብ ክውሰድ ዝኽእል እገዳን፡ ክጥቀመሎም ዝኽእል ምኽንያታትን፡ ሰፊሕ ከምዝኾነ እቲ ዝወጸ መግለጺ የብርህ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘውጽኦ ፕረዚደንታዊ ኣዋጅ፡ ብ መሰረት ቅዋም ኣመሪካ ዝሃቦ ስልጣንን፡ ብ መሰረት ካልኦት ሃገራዊ ሕግታት ኣመሪካ፡ ዝህቦ ስልጣንን ነዚ ኣዋጅ ከምዘውጽኦ ድሕሪ መግላጽ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት፡ ን ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ሰላምን ርግኣትን ዝዘረግን ሓደገኛ ምንቅስቓሳትን ስግኣት ከምዝኾነ ብምምልካት፡ ሰፊሕ ቦታ ዝሽፍን ግጭት፡ ግፍዒ፡ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ምድፍር ደቂኣንስትዮን፡ ጸታዊ ሰረት ዝገበረ ዓመጽ ምድፋርን፡ ብሄር ተኮር ግጭት፡ ምትዕንቃፍ ሰብኣዊ ሓገዝን፡ ናይ ኣመሪካ ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲን ናይ ኣመሪካ ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ሓደጋ ዘውድቅን ስግኣት ስለዝኾነ፡ ነዚ ፕረዚደንታዊ ኣዋጅ ክወጽእ ከምዝወሰነ እቲ ዝወጸ መግለጺ የፍልጥ።
እቲ ሓዲሽ ፕረዚደንታዊ ኣዋጅ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባትን ትካላትን ገንዘባውን ናይ መንቅስቓስ ንብረት ዝእገድ እገዳ ንክግበር ዘኽእል ኣብ 11 ነጥቢ ክጠቓለል ዝኽእልን ኣዋጅ እዩ።
እቲ ኣዋጅ ን ሚንስትሪ ፊይናንስ ኣመሪካ ምስ ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ብምታሕብባር፡ ን ሰላምን ጸጥታን ርግኣትን ኢትዮጵያ ዝዘርጉ፡ ንግጭት ናብ ዝሰፋሐ ከባቢታት ዘሰጋግሩ፡ ን ሰብኣዊ ረድኤትን ሓገዝን ዘሰናኽሉ፡ ን ካብ ሕዳር 1 ጀሚሮም ኣብ ገጭት ዝተሳተፉን ዝሳተፉ ዘለዉ ወተሃደራውን ጸጥታውን ትካላትን ውልቀሰባትን፡ ን መሰርሕ ሰላምን ምቁራጽ ቶኽስን ዘሰናኹሉ፡ ን ሰለማውያን ሰባት ከም ዒላማ ናይ ግጭት ዝገብሩ፡ ን ህዝቢ ዝጥቀመሎም ትካላት ዕላማ ዝገብሩ፡ ን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዩኤ.ን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሰራሕተኛታቶም ንዝገብሩ፡ ንኩሎም ትካላትን ውልቀሰባትን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ህውሓት፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ናይ እገዳ ስጉምቲ ንክውሰድ መምርሒ ዝህብ እዩ።
እቲ ኣዋጅ ብተወሳኺ፡ ኣባል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣባላት መንግስቲ ኤርትራ( ህግደፍ)፡ ኣባላት ህወሓት፡ ኣባላት መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዝኾኑ፡ ኣብ ዘሎ ግጭት ብ ቐጥታ ይኹን ብ ተዘዋዋሪ ዝተሳተፉ ሓለፍትን ኣዘዝትን ናይዘን ኣቅዲመን ዝተጠቕሳ ትካላትን ፖለቲካውያን ውድባትን እቲ እገዳ ከምዝምልከቶም እቲ መግለጺ ይሕብር።
እቲ ኣዋጅ ብምቅጻል፡ ምስ ማዕቀብ ዝተገበረሎም ወልቀሰባት፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ ገንዝብ፡ንብረት ወይውን ቴክኖሎጂ ሓገዝ ዝገብሩ፡ ኣብ ኣመሪካ ንዝርከብ ገንዘብን ንብረትን ምንቅስቃስ ንክገብሩ ዝፍቱኑ፡ ውልቀሰባትን ተሓጋገዝትን ኣብዚ ናይ እገዳ ኣዋጃ እትዋት ምዃኖም ይሕብር። እዚውን ን ደቆምን ኣንስቶምን ይጠቃለል።
ኣሜርካ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚራ ናይ ምንቅስቃስን፡ ናይ ቁጠባን እገዳ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ውድብ ህወሓትን፡ ክልል ኣምሓራን እገዳ ክትገብር ምዃና ከተጠንቅቅ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ላዕለዋይ ኣዛዝን ሓለቃ ስታፍ ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስን ናይ ቁጠባን ምንቅስቃስን እገዳ ከምዝተገብረሉ ይዝከር።