back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ኣብ ግብጺ ንኣስታት 7 ዓመታት ተኣሲሮም ዝርከቡ 2 ኤርትራውያን፡ ክፍትሑ፡ ምጥራዞም ጠጠው ክብልን ዝጽውዕ ጎስጓስ ይግበር ኣሎ 

ኣብ ቃናጠር ዝተባህለ ኣብ ካይሮ ግብጺ ንኣስታት 7 ዓመት ብዘይገበን ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን ዝተባህሉ ኤርትራውያን፡ ፍትሒ ንክረኽቡ ዝጽውዕን፡ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዝቀረባ ናብ ኤርትራ ንምጥራዞም ዝፈተኖ ፈተነ ጠጠው ክብል ዝጽውዕ ናይ ትዊተር ጎስጓስ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣለምን ክብሮምን፡ ካብ ዝርከብሉ ቤትማእሰርቲ ናብ ሓደ ሕክምና ብምውሳድ ናይ ፒሲኣር (PCR) መርመራ ከምዝገበሩሎምን፡ ናብ ኤርትራ ክጥርዝዎም ንዘኽእል ሰነዳት ክፍሩሙ ከምዝነገርዎምን ሓደ ናይ ግብጺ ማዕከን ሓበሬታ ኣፍሊጡ። 

እዚ ኣብ ትዊተር ንዝተፈላለያ ትካላትን ጸዊዑ፡ መንግስቲ ግብጺ ንምስጓጎም ዝገብሮ ዘሎ ምድላዋት ጠጠው ከብሎን፡ እዞም ክልተ ኤርትራውያን ፍትሒ ክረኽቡን ክፍትሑን ዝጽውዕ እዩ። ብተወሳኺ ትማሊ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ግብጺ ብምኻድ ተቃውምኦም ምስምዖም ይዝከር። 

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ግብጺ ነዞም ክልተ ኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ኤርትራ ንምምላሶም ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ ጠጠው ከብሎን፡ ብህጹጽ ክፈትሖምን ምጽውዑ ይፍለጥ። 

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያንን፡ ማሕበራትን ናይ ሰብኣዊ መሰል ትካላትን ነዚ ጎስጓስ ይሳተፍኦ ምህላወን ይፍለጥ።

Related Articles

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles