back to top
ዓርቢ 18 ሚያዝያ, 2025

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኣጋጣሚ በዓል ቁድስ የውሃንስ የውሃና ይብል

ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆሰፍ ባይደን ምስ በዓልቲ ቤቱ ዶር. ጂል ብኣጋጥሚ በዓል ቁዱስ የውሃንስ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ የውሃና መልእኽቲ ኣብ ዝገልጽ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቅጽል ዘሎ ውሽጣዊ ግጭት ብመንገዲ ስምምዕ ምቑራጽ ቶኽሲ ክትፈትሖ ትኽእል እያ ድሕሪ ምባል፡ ሰላም ምህናጽ ዋላ ኡኳ ቀሊል ኣይኹን ሕጂ ክጅመር ከምዘለዎ ገሊጹ።

እቲ መግለጺ ቀጺሉ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዓሙቅን ናይ ነዊሕ ዝጸንሐን ኪዳን ምስ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቓ ከምዘለዋ ድሕሪ ምስፋር፡ ኣሜርካ ኣንጻር ዓመጽን ኢሰብኣዊ ኣካይዳ ኣብ ልዕሊ ጉጀለ ኣህዛባትን ብቀጻሊ ድምጻ ከምተስምዕን ንሰብኣዊ ረዲኤት ዝግበር ሓገዛት ክትቅጽሎ ምዃናን ይሕብር፡፡

ፕረዚደንት ጆኦ ባይደን ሃገረ ብኣጋጣሚ ባዓል ቁዱስ የውሃንስ፡ ኣነን ጂልን ንብምልኦም ህዝብታት ኢትዮጵያውያን ኤርትራን ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣኽበርቲ ብዓል ቁዱስ የውሃንስ፡ እንኮላይ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውን ኤርትራውንን ሞቦቆል ዘለዎም ኣሜሪካውያን፡
(ኢትዮጵያውያን-ኣሜርካውያን፡ ኤርትራውያን- ኣሜሪካውያን) ኣገደስቲ ኣካል ናይ መንኮርኮር ሂወት ሃገርና ብምዃኖም፡ መርኣያ ብልጽግና ናይ ኩለን ኣብ መላእ ኣሜርካ ዝርከባ ማሕበረኮማት እዮም ድሕሪ ምባል፡ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ኮቮድ-19 ኣዝዩ ከቢድን ፈታንን ግዜ ከምዝነበረን፡ ኣብ ርእሲ ‘ዚ’ውን እቲ ጌና ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ንስድራኹም ፈተውትኹምን ብቀጥታዊ መልክዕ’ውን ዝጽልዎም ክህሉ ይኽእል ምህላዉ፡ ኩላህና እቲ ካብቲ ቦታ ዝመጽእ ዘሎ ጸብጻባት ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ስቪላውያን ዜጋታት ኢትዮጵያ ዓሚቕን ዘተሓሳስብን ጉዳይ ምዃኑ ተገንዚብና ኣለና። ምምሕዳረይ ድማ ምስ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዝርከቡ መሻርኽቲ ድልዱል ዲፕሎማሳዊ ብምምስራት ንግጭታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ይርከብ። ነቲ ብቡዙሓት ካብ ኢትዮጳያን ኤርትራን ዳያስፖራን ዝግበር ቀጥታዊ ኣበርክቶ ንምሕያል ሰላምን ብልጽግናን ናይቲ ዞባ ብምግንዛብ ከምስግኖም እፈቱ ክብል ገሊጹ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዓሙቅን ናይ ነዊሕ ዝጸንሐን ክዳን ምስ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣለዋ። ኣንጻር ዓመጽን ኢሰብኣዊ ኣካይዳ ኣብ ልዕሊ ጉጀለ ኣህዛባትን ብቀጻሊ ድምጽና ከነስምዕን ንሰብኣዊ ረዲኤት ዝግበር ሓገዛት ክንቅጽሎ ኢና፡፡ እምነትና ኢትዮጵያ ዓባይን ብዙሕነት ዘለዋን ሃገር ነዚ ዘሎ ፍልልያት ገጢማ ተኽሲቱን ዝቅጽልን ዘሎ ግጭት ብመንገዲ ስምምዕ ምቑራጽ ቶኽሲ ክትፈትሖ ትኽእል እያ።
ሰላም ምህናጽ ቀሊል ኣይኮነን፡ ግና ብመንገዲ ዝርርብን ምንዳይ ድልድል ሓድነትን ኣብ ደቂ-ሰብ ይከኣልን ብምዃኑ ሕጂ ክጅመር ኣለዎ ክብል ብተወሳኺ እቲ መግለጺ ኣተሓሳሲቡ።

ንኹሎም ነዚ በዓል ዘኽብሩ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ክገብሮሎምን፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን መላእ ዓለምን ዘለው ስድራቤታትን መሕበረኮማትን ዓመተ ሰላም፡ ዕርቅን ሕውየትን ክኾነሎም ይመነ ክብል እቲ መግለጺ ፕረዚደንት ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,387ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles