ኣቦ ወንበር ኢጋድ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ን ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኪር፡ ን ግጭት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህውሓትን ሞንጎኛ ኮይኑ ክሽምግል ከምዝሓተቶን ፕረዚደንት ኪር ከምዝተቀበሎን፡ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓቢሮም። ምኒስተር ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ማይክል ምኩይ፥ ብዛዕባ እዚ ናይ ሽምግልና ሕቶ ካብ ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ነቲ ሕቶ ከምዘቕረቦን፡ ፕረዚደንት ኪር፡ እቲ ትክኽለኛ ሰብ ሙዃኑ ኢሉ ከምዝሓረዮን፡ በዚ መሰረት ፕረሲደንት ኪር ነቲ ሕቶ ናይ ሽምግልና ከምዝተቀበሎ” እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ፕረዚደንት ኪር፡ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ናብ ኢትዮጵያ ብምግባር ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ከምዝተመያየጠን፡ ኣብየ ኣሕመድ ነቲ ሽምግለና ከምዝተቐብሎን፡ ፕረዚደንት ኪር ኢትዮጵያ ዘለዋ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ምስ ሱዳን ንክሽምግል ከምዝሓተቶ፡ ንምኒስተር ሓበሬ ደቡብ ሱዳን፡ ማይክል ምኩይ ብምጥቃስ ማዕከን ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ብተወሳኺ ሓቢራ። ብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝኾነ መግለጺ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተዋሃበ ይፍለጥ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ህወሓት ናብ ኣስታት 60 ዝኾና ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን፡ ግጭት ደው ክብል ንምፍትሑ ዝኽእለን ክጽዕራን ዝጠልብ ደብዳቤታት ከምዝሰደደት ይሕበር።
ግጭት ኣብ መንጎ ፈደራላዉ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህውሓትን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ካብ ዝጅምር፡ ብ መንግስቲ ሱዳንን ብ ኢጋድ ዝተማእከለ ዝተወሰደ ናይ ምሽምጋል ጻዕሪ፡ ክልተ ግዜ ከምዝፈሸለን፡ እዚ ን ሳልሳይ ግዚስ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ሙዃኑ ይፍለጥ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ዓቢ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ኣውሪዱ ከምዘሎ ዝሕበር ኮይኑ፡ ኣብ ማእከል እቲ ግጭት ዝርከቡ ስቪል ህዝቢ፡ ንጥሜት ሓደጋታት ኲናትን ተቃሊዖም ምህላዎም ይሕበር።