back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ፕረዚደንት ጊኒ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ 

ኣብ ጊኒ፡ ብ ኮረኔል ዶምቦዩ ዝምራሕ ፉሉይ ሓይሊ ምክልኻል ጊኒ፡ መንፈቅለ መንግስቲ ከምዝገበረን ቅዋም እታ ሃገርን ዝነበረ መንግስቲ ሙሉእ ብሙሉአ ካብ ስራሕ ጠጠው ከምዝበሎን፡ ዶባት እታ ሃገር ን ሓደ ሰሙን ዝኣክል ከምዝዕጾን፡ ኣብ ማዕከን ሓበሬታት እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ ይገልጽ። እቲ ኮሮነል ብ ምቅጻል፡ እዚ ዝወሰድናዮ ስጉምቲ፡ ነቲ ብሓደ መራሒ ጥራይ ትማሕደር ዝነበረት ጊኒ ጠጠው ብምባል፡ ስልጣን ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ከምዝምለስ ሙዃኑን ከምዝገለጸ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ካብታ ሃገር ዝረኸብኦ ሓበሬታ ይገልጻ። 

ካብ ታሕሳስ 2010 ጀሚሩ ን ጊኒ ክመርሓ ዝጸንሐ፡ ኣልፋ ኮንደ፡ ኣበይ ከምዘሎ ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ከምዘየለ፡ እንተ ኮነ ግን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቶም ዕልዋ ዝገበሩ ወተሃደራት ከምዘሎ፡ ዘይተረጋገጹ ምንጭታት ይገልጹ።

ምኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝነበረ ፈተነ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እዩ ዘሎ። ሓለዋ መንበረን ቤትጽሕፈትን ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደን ምስ ሪፓፕሊካን ጋርድ ብሙኻን ነቲ ኩነታት ተቖጻጺሮም እዮም ክብል ምግላጹ ይሕበር። 

እንተኾነ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ብወተሃደራት ተታሒዙ ዘርኢ ቪድዮ ይዘውር ምህላዉ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles