back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ብንያም ግርማይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድሙቅ ዓወት ኣመዝጊቦም

ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተሰላሰለ  ናይ ክላሲክ ግራንድ ውድድር ሎሚ ኣብ ዝሸፈኖ ናይ 201 ኪሎሜተር ርሕቀት ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ፡ ምስ ቤልጁማዊት ክለብ ኢንተርማርች ዎርት ጎበርት ኮይኑ ጸወትኡ ዘካይድ ዘሎ ብንያም ግርማይን ምስ ክለብ ኣንድሮኒ ጊዮካቶሊ ዝጻወት ዘሎ ናትናኤል ተስፋጽዮንን 2ይን 4ይን ደረጃ  ብምውጻእ ዓቢ ዓወት ኣመዝጊቦም። 

እዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ቢንያም ግርማይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ንስሙያትን ሓያላትን ተጻወትን፡ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ብምስዓር ብዝገብርዎ ሓያላ ጻዕሪ ነዚ ዓወት ክረኽቡ በቂዖም። 

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዝተሰላሰለ ካልእ ናይ ግራንድ ክላሲክ ውድድር ብንያም ግርማይ ንመወዳደርቱ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ብምስዓር ናይ ቀዳማይ ደረጃ ድሙቅ ዓወት ምምዝጋቡ ይዝከር።

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ምስ ዓበይቲ ክለባት ኮይኖም ውድድሮም ዘካይዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ብሽክለታ ኣንጸባርቂ ዓወት የመዝግቡ ምህላዎም ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles