ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተሰላሰለ ናይ ክላሲክ ግራንድ ውድድር ሎሚ ኣብ ዝሸፈኖ ናይ 201 ኪሎሜተር ርሕቀት ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ፡ ምስ ቤልጁማዊት ክለብ ኢንተርማርች ዎርት ጎበርት ኮይኑ ጸወትኡ ዘካይድ ዘሎ ብንያም ግርማይን ምስ ክለብ ኣንድሮኒ ጊዮካቶሊ ዝጻወት ዘሎ ናትናኤል ተስፋጽዮንን 2ይን 4ይን ደረጃ ብምውጻእ ዓቢ ዓወት ኣመዝጊቦም።
እዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ቢንያም ግርማይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ንስሙያትን ሓያላትን ተጻወትን፡ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ብምስዓር ብዝገብርዎ ሓያላ ጻዕሪ ነዚ ዓወት ክረኽቡ በቂዖም።
ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዝተሰላሰለ ካልእ ናይ ግራንድ ክላሲክ ውድድር ብንያም ግርማይ ንመወዳደርቱ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ብምስዓር ናይ ቀዳማይ ደረጃ ድሙቅ ዓወት ምምዝጋቡ ይዝከር።
ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ምስ ዓበይቲ ክለባት ኮይኖም ውድድሮም ዘካይዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ብሽክለታ ኣንጸባርቂ ዓወት የመዝግቡ ምህላዎም ይፍለጥ።