ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተሰላሰለ “ብግራንድ ባሳንኮን ድቡስ” ዝፍለጥ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ፡ ምስ ቤልጁማዊት ክለብ ኢንተርማርች ዎርት ጎበርት ኮይኑ ጸወትኡ ዘካይድ ዘሎ ብንያም ግርማይ ቀዳማይ ደረጃ ብምውጻእ ዓቢ ዓወት ኣመዝጊቡ።
እዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ቢንያም ግርማይ ንስሙያትን ሓያላትን ተጻወቲ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ብምስዓር እዩ ክዓትሮ ክኢሉ።
እታ ክለብ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ ብንያም ንዘመዝገቦ ዓወት፡ ነታ ክለብ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ንዝጸንሓ ቦታ ኣውሒስዎ ምህላዉ ሓቢራ።
ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ምስ ዓበይቲ ክለባት ኮይኖም ውድድሮም ዘካይዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ብሽክለታ ኣንጸባርቂ ዓወት የመዝግቡ ምህላዎም ይፍለጥ።