መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ዝቕመጡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ከምዘኽበርዎ፡ ሰቲት ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝረኸበቶ ሓበሬታ የረዳእ። ኣብ ገለ ሃገራት ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ን ዝመጽእ ቀዳመ ሰንበት ንከኽብርዎ መደብ ሒዞም ምቅርራባት ይካይዱ ከምዘለው ይግለጽ። ብተወሳኺ ዝተፈላለያ ውድባትን ምንቅስቃሳትን፡ ነዚ ኣጋጣሚ ዝምልከት መልእኽትን ጋዜጣዊ መግለጽን ብመገዲ ወግዓውያን መርበብ ሓበሬትአን ክውጽኣ ከለዋ፡ መበል ሱሳ ዓመት ጽንብል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ሒዝዎ ዝተበግሰ ዕላማ፡ ኣብ ሸትኡ ክበጽሕ ዘይምኽኣሉ ናይ ታሪኽ ደውታ ኡኳ እንተኾነ፡ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ምዃኑ ኣሚኑ ኩሉ ሰብ ንዕላማታት ብልጽግቲ ኤርትራ ክዓዪ ጸዊዐን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መንእሰያት ብተወሳኺ ስነጥበባዊ ምርኢታት ብምስራሕ ዘኪሮሞ።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ብ ይኣክል ዲስን ከባቢኣን ዝተመደበ መደብ ናይ ፒክኒክ ን ዓበይትን ንቆልዑን ዝኸውን መደብ ብምድላው፡ ን ቀዳም ኣብ ፎርት ሃንት ፓርክ ክጽንብልዎ ምዃኖም ሰቲት ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ዘረኸበቶ ሓበሬታ ይገለጽ።
በዚ ኣጋጣሚ ሰቲት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ናብ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብጸሓካ ትብል።