back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላልየ ቦታታት ይዝከር ኣሎ 

መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ዝቕመጡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ከምዘኽበርዎ፡ ሰቲት ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝረኸበቶ ሓበሬታ የረዳእ።  ኣብ ገለ ሃገራት ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ን ዝመጽእ ቀዳመ ሰንበት ንከኽብርዎ መደብ ሒዞም ምቅርራባት ይካይዱ ከምዘለው ይግለጽ። ብተወሳኺ ዝተፈላለያ ውድባትን ምንቅስቃሳትን፡ ነዚ ኣጋጣሚ ዝምልከት መልእኽትን ጋዜጣዊ መግለጽን ብመገዲ ወግዓውያን መርበብ ሓበሬትአን ክውጽኣ ከለዋ፡ መበል ሱሳ ዓመት ጽንብል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ሒዝዎ ዝተበግሰ ዕላማ፡ ኣብ ሸትኡ ክበጽሕ ዘይምኽኣሉ ናይ ታሪኽ ደውታ ኡኳ እንተኾነ፡ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ምዃኑ ኣሚኑ ኩሉ ሰብ ንዕላማታት ብልጽግቲ ኤርትራ ክዓዪ ጸዊዐን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መንእሰያት ብተወሳኺ ስነጥበባዊ ምርኢታት ብምስራሕ ዘኪሮሞ። 

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝቕመጡ  ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ብ ይኣክል ዲስን ከባቢኣን ዝተመደበ መደብ ናይ ፒክኒክ ን ዓበይትን ንቆልዑን ዝኸውን መደብ ብምድላው፡ ን ቀዳም ኣብ ፎርት ሃንት ፓርክ ክጽንብልዎ ምዃኖም ሰቲት ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ዘረኸበቶ ሓበሬታ ይገለጽ። 

በዚ ኣጋጣሚ ሰቲት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ናብ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብጸሓካ ትብል።

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles