ኣብ ኤርትራ ሓደ ካብ ውሩያት ተቀዳደምቲ ብሽክለታ ዝነበረ፡ ሎሚ ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ዝነበር ዘሎ ዳዊት መሓሪ ኢራብ፡ ኣብ ጃፓን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ኦሎምፒክ 2020፡ ኣብ ቅድድም ኣካለ ጉዳኣት ዘለዎም(Tokyo Paralympics 2020) ማለት ውድድር ክሮኖ-ሜተር ቀዳማይ ብምውጻእ ንኔዘርላንድ ብምውካል ወርቂ ማዳልያ ተሰሊሙ።
ዳዊት ኢራብ ኣብ 2016 ኣብ ብራዚል ዝተኣንገደ ውድድራት ኦሎምፒክ እውን፡ ቀዳማይ ብውጻእ ወርቂ ማዳልያ ዓቲሩ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ኦሎምፒክ 2020፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብ ዝተሰደዱለን ሃገራት ኮይኖም፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ከምዝተሳተፉ ይፍለጥ። ብተወሳኺ ንጋንታ ስደተኛታት ካብ ዝወከሉ ተወዳደርቲ ክልተ ካብኦም ኤርትራውያን ምንባሮም ይዝከር።
ኤርትራ ክሳብ ሒጂ ኣብ ውድድር 2020 ዝኾነ ዓይነት ስልማት ኣይረኸበትን ዘላ።