back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ንኽብርን ዝኽርን ነፍስሄር ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ማህደረ ትምህርቲ ተመስሪቱ

ንዝኽሪ ነፍስሄር ኣሮን ብርሃነ፡ ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ኣሳናዳእን ናይታ ንፈለማ ኣብ ነጻ ኤርትራ ዝተሓትመት ብሕቲ ጋዜጣ ሰቲት ዝውዕል “ዝኽሪ ኣሮን ማህደረ ትምህርቲ” ዝተሰምየ ኣብ ጆርጅ ብራውን ኮሎጅ ካናዳ ተመስሪቱ። እዚ ስጉምቲ ምምስራት ማህደረ ትምህርቲ ኣብታ ዝምህረላ ዝነበረ ጆርጅ ብራውን ኮሎጅ ብመሳርሕቱን ስድራን ነፍስሄር ኣሮን ዝተወስደ ኮይኑ፡ ነቲ ኣሮን ዘበርክቶን ብክብሪ ንምዝካር ካብ ዝብል ዕላማ ዝመንጨወ ምኻኑ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ንምጅማር እዚ ማህደረ ትምህርቲ 20,000 ዶላር ወፈያ ንምእካብ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ፍርቂ ተኣኪቡ ከምዘሎ ካብ መስረቲ ናይዚ መደብ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት። ብዙሓት ተማሃሮ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንትምህርቲ ንክረኽቡ መደባት ኣብ ዕኡኦ ምስታፍ ክሕንጽጹን ንክኽእሉን “ብዝኽሪ ኣሮን ማህደረ ትምህርቲ” ዝተኣከበ ገንዘብ፡ ምስ ዴ ላ ሳል ቡርሳርይ (De La Bursary) ተደሚሩ ዝያዳ ዕድላት ክኽፍት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ በቲ ነዚ ማህደረ ትምህርቲ ዝዋሃብ ህያብ ድማ ተወፋይነትን ሓልዮት ዝመልኦ ትጉህነት ኣሮን ይሰጋገርን ህያው ክኸውንን ምኻኑ ኣካየድቲ ናይቲ መደብ ይጠቅሱ። ብተወሳኺ እቲ ሓበሬታ ወፈያታት ናብዚ ማህደረ ትምህርቲ ዝውሃብ ሓገዝ፡ ቅብሊት ክስደድ ምኻኑ ይፍለጥ።

ኣሮን ብርሃነ ሓደ ካብ ኣሳናዳእቲ ቀዳመይቲ ብሕታዊት ጋዜጣ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዝኾነት ጋዜጣ ሰቲት ኮይኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መስከረም 2001 ሰቲት ትርከበን ብሕታውያን ጋዜጣታት ድሕሪ ምዕጻውን ጋዜጠኛታትን ምእሳር ካብ ሞት ንስክላ ሃዲሙ ኣብ ካናዳ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ግንቦት 1, 2021 ጌና ኣብ ቃልሲ ንፍትሕን ኣብ ምጥባቕ መሰላት ቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለውን ብጾቱ ጋዜጠኛታት እንዳ ሰርሐ ኮሎ ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።

ኣሮን ኣብ ናጻ ፕረስ ኤርትራ ዘበርከቶ ዓቢ ተራን ንህዝቢ ኣብ ምንቃሕን ዝተጻወቶ ዓቢ ተራን ተጻዊቱን። ነፍሲ ሄር ኣሮን ኣብታ ብሰቲት ሚድያ ትፍለጥ ኣብ ነሓሰ 2020 ዝተመስረተ ትካል ሓበሬታ ብረሲደንት ኔሩ። ኣብ ከናዳ መፍትሕ ትብል መጺሔት ብምምስራት ውን ንኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ምንቃሕ ይነጥፍ ኔሩ። ኣሮን ብዙሓት ናይ ክብሪ ን መሰል ምግላጽን ሽልማት ረኹቡ። ኣብ 2003/04 ዶኖር ካናዳውያን ጋዜጠኛታት ን ነጻ ምግላጽ ሓሳባት ፈሎው ሺፕ (Donner Canadian Journalists for Free Expression Fellowship) ተሸሊሙ። ቀጺሉ ኣብ ኣብ ጆርጅ ታውን ኮሎጅ ብ ፔን ጸሓፍቲ ኣብ ስደት (PEN Writer-in-Exile) ንኽገልግን ብዝቀረበሉ ዕድመ ተሳቲፉ። ቀጺሉ ኣብ 2019 ኣብ ሃምበር ኮሎጅ (PEN Writer-in-Residence fellowship) ረኺቡ፡ ቀጺሉ ድሕሪ ዓመት ኣቦ-ወንበር PEN Canada ንጻሓፍቲ ኣብ ሰደት ኮይኑ። ኣሮን ሓጺር ዛንታ ሂወቱ ኣብ መጽሓፍ ኮሎ ኢዩ ብሞት ተፍልዩ፡ ኣብ ቀረባ ክትሕተም ወን ተስፋ ኣሎ።

To donate, go to 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles