ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሒጂ እዋን ነቲ ብሃብታማት ሃገራትን፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ተመስሪቱ፡ ንድኻታት ሃገራት ዝኸውን ናይ ነጻ ክታበት ኮቪድ-19 ምውሃብ መሰሉ ተነፊግዎ ከምዘሎ፡ ኣብ “ማሕበር ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና” ዝነጥፉ ዶክተር ኤልሳ ኣብርሃን ዶክተር ኣማኒኤል ዮሃንስን ምስ ሰቲት ኣብ ዘካየድዎ ቃለመሕትት ገሊጾም።
እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ኮይኑ፡ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ እንኮ ንኮቪድ 19 ካብ ዘውርዶ ዘሎ ሃስያ ክከላኸል ልዑል ተስፋ ተነቢሩሉ ዘሎ ክታበት ክረክብ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት ናይ ምትሕብባር ምቅርራብ ዘይምርኣዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ንዕቀትን ነቲ ህዝቢ ዝዶቅስን ምኻኑ ሓቢሮም።
ኮቫክስ ዝተባህለ ነዚ ስራሕ ክዓምም ዝተጣየሰ ትካል፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ድሮ ብሚልዮናት ዝቑጸር ክታበት ኮቪድ-19 ከባጽሕ ክኢሉ ምህላዉ ዝሓበሩ እቶም ሰብ ሞያ፡ ኤርትራ እታ እንኮ ነዚ ሓገዝ ተሓሲማ፡ ንህዝባ ናይ ክታበት መሰሉ ነፊጋ ዘላ ምህላዋ ምዃና ብተወሳኺ ኣብቲ ቃለመሕትት ገሊጾም።
ዶክተር ኤልሳ፡ ማሕበር ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2020 እቲ ቫይረስ ብብዝሒ ክርአ ምስ ጀመረ፡ ማሕበሮም ዘድሊ ሓገዝ ንምግባር ብመገዲ ኢመይል ንሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓቲቶም ምንባሮምን እንተኾነ ዝኾነ ዓይነት መልሲ ከምዘይተዋህቦምን፡ ብኻልእ መገዲ ዝተፈተነ ኣገባብ ድማ፡ ገንዘብ ተዘይኮይኑ ብመልክዕ ንብረት ዝመጽእ ሓገዝ ከምዘይቅበሉ ከምዝተሓበሮም ሓቢራ። ዶክተር ኤልሳ እቲ ማሕበር ካብዚ ብምብጋስ ኣብ መዓስከራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዝነበሩ ኤርትራውያን ሓገዝ ከምዝገበረ ብተወሳኺ ኣብ ቃለመሕትታ ገሊጻ።
ኮቫክስ ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ጽምዳ ብዙሕ ዘይምዃኑ ዝገለጸ ዶክተር ኣማኒኤል፡ ብዙሕ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ኮይኑ ክረኽቦ ዝግብኦ ሓገዛት ብሰንኪ ዘሎ ምሕደራ ከምዘይረክብን ቅድሚ ሒጂ ዝተራእየ ተመኩሮ ምኻኑ ገሊጹ። ዶክተር ኣማኒኤል ቅድሚ ሒጂ ኣብ ናይ ኤችኣይቪን ካልእን ንዝበረ ሓገዛት ብሰንኪ ንዕኡ ዝኸውን ስራሕ ዘይምድላው፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም(WHO) ክረኽቦ ዝግብኦ ሓገዛት ይንፈጎ ምንባሩ ብተወሳኺ ገሊጹ።
ብዛዕባ እዚ ናይ ኮቫክስ ሓገዝ ኣብ ራድዮ ድምጺ ኣሜርካ ተሓቲታ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኤርትራ፡ ነጽንዖ ኣለና፡ ዝበለጸ ክታበት ከነእቱ ኢና ክትብል ምግላጻ ይዝከር። ብተወሳኺ ኤርትራ ምስ ሩስያ ብዛዕባ ሩሳይ ተፍርዮ ዘላ ክታበት ምዝርራባ፡ ኣምበሳድር ሩስያ ኣብ ኤርትራ ኣብ ወግዓዊ ናይቲ ኤምባሲ ገጽ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ምግላጹ ይፍለጥ።
ዶክተር ኣማኒኤል ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ኤርትራ ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ስለዝኾነ እዚ መሰል ክበጽሖ ክጸዓርን፡ ኣብዚ ሒጂ እዋን ልዑል ናህሪ ዝላባዕ ዘሎ፡ ሓድሽ መልክዕ ደልታ ቫርያንትን ንምክልኻል ውጽኢታዊ ዝኾነ ክታበት ምዃኑን ኩሉ ህዝቢ ጸቅጢ ኣብ ምፍጣር ክሰርሕን ጸዊዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኤርትራ ነቲ ናይ ኮቫክስ ሓገዛት ንክትቅበልን ክታበት ክትከትብን ዝደፍእ፡ ጎስጓስ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ከምዝተገብረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ጠቂስና ምንባርና ይዝከር።