ሚርያም ሰለሙን፡ ተመሃሪት “ግራመር ስኩል ሊድስ (Grammar school Leeds): ኣብ ትምህርታ ብዘመዝገበቶ ብሉጽን ልዑልን ነጥቢ፡ ንማዕከናት ሓበሬታ ናይቲ ከባቢ ኣቃልቦ ስሒባ ትርከብ። ዮርክሼር ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ዓምድታቱ ኣብ ዘስፈሮ፡ ሚርያም ሰለሙን፡ ቕድሚ 9 ዓመት ካብ ኤርትራ ተሰዲዳ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ብሉጽን ልዑልን ነጥቢ ማለት “A” ኣምጺኣ ክብል ንዝረኸብቶ ዓወት ይገልጽ።
ሚርያም፡ “እዚ ኹሉ ዝበጻሕክዎ ዓወትን ደረጃን፥ ነቲ ብ ሕማም ኮቪድ19 ዝዓረፈ ኣቦይ እየ ዘወፍዮ” ብምባል፡ ኣነ ናይ ህጻውንቲ ሓኪም እየ ክኸውን ዝደሊ፥ ናይ ኩሉ ግዜ ሕልመይ ንሱ እዩ ነይሩ። ምስ ህጻውንቲ ምስራሕ ገለ ሓይልን ተስፋን ዝህበካ ባኣታ ኣሎ፡ ኣብ ዓደይ ኤርትራ ከኣ ንዝኽሪ ኣቦይ ፡ብሽሙ ናይ ሕክምና ክሊኒክ ክኸፍት እዩ ባህገይ ክትብል ንዘለዋ ሕልምን ራእን ትገልጽ።
ምርያም፡ “በዚ በጺሐዮ ዘለኹ ደረጃ ሕጉስቲ እየ፡ ብርግጽ ጻዕርን ጽንዓትን እንተልዩ፡ ርሑቅ ክትከይድ ከምእትኽእል ኣርእዩኒ” ክትብል ንዝተስማዓ ሓጎስ ትገልጽ።
ምርያም፡ ብ ዝተዓወተቶ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ሁል-ዮርክ ዩኒቨርስቲ ዓውዲ ሕክምና ክተጽንዕ እያ።