ብ መሰረት ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዘውጽኦ ዜና፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣምበሳድራ ከምዝሰሓበቶ ሓቢራ። ሱዳን ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ዝተገደደት፡ መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተስፋ ዘቑርጽን፡ ነቲ ተበጊሱ ዝነበረ ናይ መንጎኛ ተበግሶ ብ መንግስቲ ሱዳን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምንጻጉን ከምዝኾነ ይሕበር።
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ተበግሶ ብምሉእ ምንጻግ፡ እቲ ተበግሶ ዝፈጥሮ ምቅያር እንተዝምልከት ምሓሸ ክብል ገሊጹ።
ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ጀሚራ ብኢጋድ ዝተማእከለ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ተበገሶ ብምውሳድ ክትዘራረብ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዛጊት ንኣባላት ሃገራት ኢጋድ፡ ኤርትራ ኣሜርካን ካልኦትን ምዝርራባ ይፍለጥ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ህወሓት ዝኾነ መገለጺ ከይተዋህበ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣፈኝኡ ኣቢሉ፡ ሱዳን ዝወሰደቶ ተበግሶ፡ ቅድሚ ምቅባላና ምትእምማን ምህላውን ዘይምህላውን ክጽናዕ ኣለዎ፡ ምስ ሱዳን ዘሎ ዝምድና ሻሕኪሩ እዩ ዘሎ ክብል ምግላጹ ይሕበር።
ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብጉዳይ መሬት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምጥቅቓዕ ኣትያ ምንባራ ዝፍለጥ ዝፍለጥ እዩ።