ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ኢትዮጵያ፡ ን ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መዓስከር ሕጻጽን ሽመልባን፡ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ትግራይ ተፈናቂሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ዳግማይ ናይ ምምዝጋብ መስርሕ ከምዝጀመረ ብ መንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እቶም ስደተኛታት፡ ን ሰለስተ ዓመት ዕድመ ዝህልዎ መለለዪ ስደተኛታ ካርድ ክወሃቡ ሙዃኖምን፡ ወርሓዊ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ክግበረሎም ምዃኑን እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።
ኲናት ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2020 ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማዓስከራት ሰደተኛታት ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ዝነበሩ ኢርትራውያን ስደተኛታት፡ ን ዝተፈላለያ ሽግራት ተቓሊዖም ከምዝነበሩን፡ ክሳብ ናይ መጭወይቲ፡ ዝርፋን መቅተልትን ከምዝበጽሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ገለ ካብኣቶም ሂወቶም ንምድሓን ናብ ዝተፈላለየ ክፋል ኢትዮጵያ ከምዝኸዱን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብርክት ዝበሉ ካብ ማዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ዝመጹ ከምዘለዉን ይፍለጥ።
ክሳብ ኣብዛ ሰዓት ብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ዝኾነ ቆላሕታ ከይተገበረሎም ከምዝጸንሐ ይሕበር።
ብተወሳኺ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብ ውሑስ ቦታ ንምግዓዞም ምድላውት ኣጻፊፉ ከምዘሎ ምግላጹ ኣብ ናይ ትማሊ ዜናና ምጥቃስና ይዝከር።