መንግስቲ ሱዳን፡ ብ ማሓበረሰብ ዓለም ዝተደገፈ ናይ ዕርቂ ሽምግልና ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህውሓትን ተበግሶ ከምዝወሰደ፡ ሱዳን ትሪቡን ካብ መንግስታዊ ምንጭታት ከምዝረኸቦ ዝገለጸ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እዚ ናይ ዕርቂ ሽምግልና ብዝመልከት፡ መንግስቲ ሱዳን ን ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፡ ኤርትራ፡ ፈረንሳን ኣመሪካን ዝርከብኦም ከምዝሓበረትን፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህውሓትን ይዛራረብ ከምዘሎን ብተወሳኺ ይፍለጥ።
መንግስቲ ሱዳን፡ ትሽዓተ ወርሒ ዝገበረ ግጭት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ዘሻቕል ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ብዘይ ምቁራጽ ይቕጽል ብምህላዉን ናብ ምዕራባዊ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብ ከባቢ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ንክልሕም ዘለዎ ተኽእሎ ተደሚሩ፡ ብዛዕባ እዚ ዘሎ ግጭት፡ ሻቅለቱ ይውስኽ ከምዘሎ ይሕበር።
ዳይርክተር ዩኤስ.ኤይድ፡ ሳማንታ ፓወር፡ ኣብ ሱዳን ዝገበረቶ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣመልኪታ፡ ንናይ መንግስቲ ሱዳን ተበግሶ ከምትድግፎ ክትገልጽ ከላ፡ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን፡ ሓምዶክ ፡ ብ ዕለት 4 ናሓሰ ኣብ ዝገበሮ ናይ ስለኪ ዝርርብ፡ መንግስቲ ሱዳንን መንግስቲ ኣመሪካን፡ ኲናት ጠጠው ዝበለሉ ዝርርብ ንክግበርን ፡ ን ሓድነትን ልእላውነተን ኢትዮጲያ ን ምድሓን፡ ኩሉ ዘካተታ ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ዝርርብ ክግበረን ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዝኾነ ገደብ ክባጻሕ ከምተሰማምዑ፥ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ብዛዕባ’ዚ ተበግሶ ንምዝርራብ ናብ ሱዳን ምብጽሑ ይዝከር።