ኣብ እስራኤል ኣብ ከተማ ተል ኣቪቭ ዝቕመጡ ኣስታት 325 ዝኾኑ ወለዲ ህጻናት ሓተቲ ዑቅባ፡ ኣብ ምምሕዳር ተል ኣቪቭ ናብ ዝርከብ ቤተፍርዲ ጥርዓናት ከምዝመልኡ ጋዜጣ ሃረጽ ኣፍሊጣ። እቶም ወለዲ ኣብ ልዕሊ እቶም ህጻናት ተፈጢሩ ዘሎ ኣድልዎ ኣብ ቤት ትምህርታት ደው ክብልን ህጻናት ሙሉእ መሰለን፡ ኣብ ዝተወሰነ ቤተ ትምህርታት ካብ ምምሃር ዝእግድ ኣድልዎ ክእለን ዝጽውዕ ምኻኑ ተሓቢሩ።
ጋዜጣ ሃረጽ ኣብ ናይ ታሕሳስ 2020 ኣብ ዘቐረበቶ መጽናዕታዊ ጸብጻብ፡ 91.5% ካብተን እዞም ሓተቲ ዑቅባ ዝመሃሩለን ቤት ትምህርታት፡ ሓደ እስራኤላዊ ከምዘይምሃረለን ምሕባራ ይፍለጥ።
ኣብቲ ዝኣቱ ዘሎ ናይ ጥርዓን ፋይላት ብተወሳኺ ኣብ ተል ኣቪቭ ዝርከባ ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን፡ ብዙሓት ግዱሳት እስራኤላውያን ነበርቲ ተል ኣቪቭን ይሳተፍዎ ምህላዎም፡ ኣሳፍ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ ኣፍሊጡ።
ሓንቲ ካብ ወለዲ እዞም ህጻናት ወይዘሮ ኤልሳ ጓል ህጻን ሰሊሆም፡ እስራኤላውያን ናብ ዘይብሉ መውዓሊ ህጽናት ኔቨሽኣናን ተመዲባ ከምዘላ ብምሕባር፡ ብመንጽር እዚ ኣብቲ ትቅመጠሉ ኣከባቢ መውዓሊ ህጽናት ከምዘሎ ሓቢራ። ብተወሳኺ ክልተ ካብቶም ጥርዓናት ዘቕረቡ ወለዲ፡ ደቅና ሒዝና ኣስታት ሓደ ኪሎሜተርን ፈረቓን ብእግርና ተጓዒዝና ኣብ ኔቨሽኣናን ናብ ዝርከብ መውዓሊ ህጽናት ክንመጽእ ተገዲድና ኣሎና፡ ኣብ ንነብረሉ ሃቲክቫ ኣከባቢ ናይ እስራኤላውያን ቤት ትምህርቲ እንከሎ ክብሉ ከምዝጠቀሱ ጋዜጣ ሃረጽ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።
ነቲ ጥርዓናት ካብ ዝውክሉ ዘለዉ ጠበቓታት ሃራን ሪችማንን ታል ሃሰንን፡ ኣብ ዓሌትን ሕብርን ምርኩስ ዝገበረ ምፍልላይ ቤት ትምህርታትን፡ ዘይሕጋውን ዘይሞራላውን ምኻኑ ሓቢሮም።
ምምሕዳር ከተማ ተል ኣቪቭ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ እቲ ዝበሃል ዘሎ ጥርዓናት ጌና ከምዘይበጽሖን፡ ምስ በጽሖ ነቲ ጉዳይ ብምርማር ብቤትፍርዲ ኣቢሉ መልሲ ክህበሉ ምኻኑ ኣፍሊጡ። እቲ ምምሕዳር ኩሎም ዝግበሩ ምምዳብ ህጻናት ተመሃሮ፡ ብመሰረት ዝነብሩሉ ኣከባቢ ምርኩስ ብምኻን ምኻኑን፡ እዚ ዝበሃል ዘሎ ምፍልላይ ህጻናት ቅቡል ከምዘይኮነን ሓቢሩ ክትብል ጋዜጣ ሃረጽ ኣፍሊጣ።
ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ህጻናት ግዳይ ዓሌታዊ ኣድልዎን ምፍልላይን ኮይኖም ምህላዎም ክሕበር ምጽንሑ ይፍለጥ።