[dropcap]ሰ[/dropcap]ቲት ኣብ 1 ነሓሰ 2020 ዝጀመረቶ ውልዶ ጉዕዞ ሜድያ ድሮ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ብድሆታትን፡ ኣብ ምጅማር፡ ምምስራትን ምውህሃድን ዘሎ ብዶሆታትን ብምስጋር ነዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክሰላሰል ዝተኻእለ ጉዑዞ መስርሕ ሓበሬታ ሰቲት ንዝገበርኩም ኣባላትን ተኸታተልትን ሰቲት የውሃና ንብል።
ኣብዚ ናይ ዓመት ዕድመ ጉዕዞ ዝተፈላለዩ ከበድትን ፈተንትን ብድሆታት ተሰጊሮም፡፡ ምንጪ ሕመረትና፥ ዓቢ መምህር፡ ፕረዚደንት ቦርድ ሰቲት ሜድያ ብጻይና ኣሮን ብርሃነ ካባና ብሞት ብምፍላዩ ዝሓየለ ብድሆ ኣብ ውልዶ ሰቲት መድያ እዩ ኔሩ።
ብድሆታትን፡ ጉድለታትን መስርሕን ኣብ ጉዕዞ ሂውት ምዃኖም ብምግንዛብ፡ ሰቲት ነቲ ጀሚራቶ ዘላ ጎዕዞ ምህናጽ ዓንዲ ሕቆ ዲሞክራሲ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን ክትቅጽል ዝያዳ ሓይሊ ዝህብን ሓላፍነት ዘሰክምን እዩ። ኣብ ምውሓስ ፍትሓዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ፡ ንሰብኣውን ሃገራውን ክብሪ ዘሐይል ሓበሬታ ምስናቅ፡ ክትዓት ምብርባርን፡ነጻን ዘይሻራውን ማለት ማዕከን ሓበሬታ ንምፍጣርን ን ብምትብባዕን ብመትከል ክንሰርሓሉ ካብ ዝጸናሕና እዩ።
ኣብዚ ሓበሬታ ከም ቅልጣፈ ብርሃን ዝጓዓዘሉ ዘሎ እዋን፡ ሓበሬታ ናብ ናይ ሓበሬታ መልክዕን ቅርጽን ሒዙ ተዘይቀሪቡ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ብዘለዎ ተወሲዱ ዘለዎ ጉድኣት ዓቢ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ንነፍሲ ወከፍ ፍጻመታት፡ ብመልክዕ ናይ ሓበሬታ ኣሰራርሓን፡ ስነምግባርን ንምግባሮም ሰቲት ከም ቀንዲ ዕዮ ብምውሳድ ኣተኲርና ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና እዩ። ከምቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተቃላሳይ ንናጽነትን ሓርነትን ዴሞክራስን ነፍስሄር ስዩም ዑቅባሚካኤል (ሓረስታይ) ኣብ ሓደ መደርኡ ዝበሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሒጂ ዝመጹ ስርዓታት ኣብዚ ዝሓለፈ ዘጋጠሞ ጥልመት ከየጋጥሞ ፍርሒ ኣለዎ፡ ነዚ ሚዛን ንክሕዝን፡ ነጻ ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ነጻ ማዕከን ሓበሬታን ኣገዳስነቱ ልዑልን ምዃኑን ህዝቢ ዝያዳ ኣተኩሮ ክገብረሉን ምምሕጻኑ ብምዝካር፡ ሰቲት ይኹና ካልኦት ነጻን ርትዓውያን ናይ ሓበሬታ ማዕከናትን ኣብ ምሕላው ዴሞክራስን ነጻ ሓሳብካ ምግላጽን ዘለወን ተራ ተራእዩ ክተባብዓን ክሕይላን ይግባእ።
ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ሓደ ካብ መሰረታዊ መሰል ወዲ ሰብ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ምዃኑ ዝፍለጥ ኡኳ ተኾነ፡ ፖሎቲካውያን ሓይላታት ንማዕከናት ሓበሬታ ከም መሳርሒኦምን፡ ህዝቢ ኣብ ምድንጋርን ሓበሬታ ኣብ ምጥምዛዝን ካብ ምግባር ዓዲ ዘይውዕሉ ኡኳ ብምዃኖም፡ ህዝቢ ኣብ ምኹስኳስ ነጻ ማዕከናት ሓበሬታ ዘለዎ ተራ ተዕዚዙ፡ ነዚ ብመንግስታትን ፖሎቲካውያን ሓይላታትን ዝግበር ድፍኢትን ምቑጽጻርን ዓቢ ጽፍዒትን፡ ስጉሚ ንህንጸት ዴሞክራስን እዩ።
ኣብዚ ናይ ሓደ ዓመት ተመኩሮና፡ ዝተራእዩ ብድሆታት፡ ኣብ ሞንጎ ርእይቶን ሓበሬታን ዘሎ ፍልልይን፡ ኣብ ሞንጎ ዝተረጋገጽን ዘይተረጋገጽን፡ ኣብ ሞንጎ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያን፡ ማዕከን ሓበሬታን ዘሎ ፍልልይን፡ ንዕቤት ነጻ ማዕከን ሓበሬታ ዓጊቶም ሒዞሞ ካብ ዘለዉ ነገራት ምዃኑ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና። ነዚ ምግንዛብ ኣብ ኣሰራርሓና እዞም ሽግራት ዝውገዱሉ ንምንዳይ፡ ፈለማ ኣባላትና ኣብቲ ሞያ ዘለዎም ኣፍልጦን ናይ ስራሕ ኣገባብን ክብ ንምባል ስልጠናታት ብምድላውን፡ ተመክሮ ካልኦት ብምርዳእን፡ ካብ ሓዲድ ስነምግባር ንዘይምውጻእ ክንሰርሕ ጸኒሕና ንርከብ። ዝተፈላለዩ መደባት ምስ ካልኦት ኬንካ ንምስራሕ ዘኽእሉ ዕድላት ብምንዳይን፡ ኣባላት ሰቲት ንዝፍጽሞ ጌጋ ካብቲ ማዕከን ሓበሬታ ፈሊኻ ንምርኣይ ዘኽእል ናይ ስራሕን፡ ውልቀ ህይወትን ርእይቶን ኣገባብ ወይ መስመርን ክህሉን ብቀጻሊ ንጽዕሮን ንሰርሓሉን ዘለና እዩ።
ኣብዚ ውሽጢ ዓመት ብኣማኢት ዝቁጸሩ ዜናታት መዓልታዊ ክልተ ወይ ሰለስተ ብምድላው ክግምገም ዝኽእልን፡ ዝተፈላለዩ ቃለመሕታት፡ ፍጻሜታትን ኣገደስቲ ዕለታትን ብምዝካርን መዳባት ብምድላውን ሓደ ካብቲ ዝሰራሕናዮም ዕዮታት እዮም። እዞም ኣብዚ ዓመት ዝኸድናዮም ዕዮታት ብምዕቃብ ንቀጻሊ ዝሰፍሐ መደባትን ንምውሳኽ እዩ።
ኣብዚ ኤርትራ ከም ሓንቲ ንእሽቶ መተንፈሲ ሓበሬታ ዘይብላ ዕጽውቲ ሃገር ትግለጸሉ ዘላ እዋን እቶም ንኣስታት 20 ዓመታት ደሃዮምን ሃለዋቶምን ተሓሪምና ዘሎ ጋዜጠኛታት ዝወልዕዎ ሽምዓ ምህናጽ ነጻ ማዕከን ሓበሬታ ብምልዓል ሰቲት ሜድያ፡ ኣብ ኣሰር ጋዜጣ ሰቲትን ካልኦት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ብምስዓብ እታ ሽምዓ ብርሃና ከይጠፍእን ክንሰርሕ ኢና። ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓውን ድሞክራሳውን ልውጢ ተሓሪምዎ፡ ኣንጻር ኩሎም ጸረ ሰብኣዊ ይኹን ካልኦት ቃልስታት ዝግበር ስራሕ ኢድና ኣብ ሓበሬታ ብምልዓል እጃምና ንምብርካት ዓሚ ዝጅመርናዮ ዕዮ ዳግም ነሕድሶን ኣለና።
ሰቲት ሜድያ ኣብ ኣሰር ጋዜጣ ሰቲት!