ፖሊስ በርሚንግሃም ብመሰረት ዘውጽኦ ሓበሬታ ጓል 19 ዓመት ኤርትራዊ ዮርዳኖስ ብርሃነ፡ ድሕሪ ዘጋጠማ ማህረምቲ ህይወታ ክሓልፍ ከምዝኽኣለን፡ ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ምኻኑ ዝተገልጸ፡ ካብ ናይ ጎደና ካሜራት ዝተረኽበ ስእሊ ገበነኛ ኣብ ምድላይ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።
ፖሊስ ድሕሪ ዝበጽሖ ናይ ምድሓን ጻውዒት ኣብቲ ቦታ ኡኳ ክበጽሕ ተኽኣለ፡ ከቢድ ማሕሰይቲ ወሪድዋ ዝጸንሐ ናይዚ ገበን ግዳይ ኮይና ትርከብ ዮርዳኖስ ብርሃነ ግን ህይወታ ክድሕን ከምዘይክኣለ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ሓቢሮም። ብተወሳኺ ፖሊስ ብዛዕባ መዋቲት ዮርዳኖስ ብርሃነ ዝፈልጥ/ ወይ ኣባላት ስድራቤታ ንምርካብ ናብ ፖሊስ በርሚንግሃም ክድውሉ ሓቢሩ ይርከብ። ኣብቲ ዝወጸ ጽሑፍ “ንየርዳኖስ ዝፈልጣን ዓርቢ ምሸት በጺሕዋ/ ረኺብዋ ዝነበረን እንተሎ ክረኽበናን፡ ስድራቤታ ብዛዕባ ሞታ ክነግሮምን፡ ከምኡ’ውን ምስኣ መን ከምዝራኸብ ዝነበረ ሓበሬታ ንምርካብ ክሕግዘናን ንጽውዕ ክብሉ” ሓቢሮም።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ሞንጎ ሰብ ሓዳርን የዕሩኽን ቤተዘመድን ዝፍጠር ግርጫታት ክሳብ ሞት ክበጽሕ ከምዝጸንሐን፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽን፡ ህይወተን ምሕላፍን ይበጽሐን ዘሎን ይፍለጥ።