ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ብ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዝምራሕ ልኡክ፡ ካብ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ መልእኽትን፥ መንግስቲ ሱዳን ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ኣፈታትሕኡን ብ ኢጋድ ተማእኪሉ ብ መንግስቲ ሱዳን ዝተወሰደ ተበግሶታት ብዝምልከት ንምዝረራብ፡ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዝገበረ ተገሊጹ።
ኣብቲ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ፡ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝሓቆፈ ልዑኽ፡ ናብ ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ዝተላእከ ደብዳበ ምብጽሑ፡ ብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ሓምዶክ ዘተወሰደ ተበግሶ ብ ኢጋድ ዝተማእከል ኣፈታትሓ ግጭት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ተበግሶ ዘይምእታዉ፡ ኤርትራ ቕሬታ ከምዘለዋን ኣካል ናይቲ ተበግሶ ክኸውን ከምዝጸውዖን ካብ ሱዳን ዝወጹ ሓበሬታታት የመልክቱ።
ኣብ ሕዳር ናይ 2020፡ ሱዳን ንኩነታት ግጭት ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪታ፡ ንኽትሽምግል እኳ እንተፈተነት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዝነጸጎ ፡ እቲ ዝተወሰደ ተበግሶ ክዕወት ከምዘይከኣለ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እዚ ሓዲሽ ተበግሶ ብ ኢጋድ ዝተማእከለ: ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ህውሓትን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ከምዘይለ ይፍለጥ።
ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኣውሪዱ ዝርከብ ንኣስታት 8 ኣዋርሕ ቀጺሉ ዝርከብ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብዙሓት ሃገራት እቶም ኣብ ኲናት ዝኣተዉ ወገናት ኣብ ጣውላ መጺኦም ክዘራረቡ ብዙሕ ክደፍኣ ከምዝጸንሓ ይሕበር።