back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ንበይና ንሓገዛት ኮቫክስ ክትጽንበሮ ዘይክኣለት ሃገር ኮይና

ድሕሪ ምስፍስሕፋሕ ተላባዒ ቫይረስ ኮቪድ-19 ሃብታማትን ምዕቡላትን ሃገራት፡ ዘማዕበልኦ ክታበት ኣብ ድኻታት ሃገራት ንምብጻሕ ዝጀምርኦ ብኮቫክስ ዝፍለጥ መደብ ኤርትራ እታ ክሳብ ሒጂ ኣብ ኣፍሪቃ ተሓሲማቶ ዘላ ሃገር ኮይና ምህላዋ ይፍለጥ።

እዚ መደብ ድኻታት ሃገራት 20% ህዝበን በዚ ሓገዝ ኣቢሉ ነጻ ክታበትን፡ ንምክልኻል ተላባዒ ሕማም ኮሮና ዝውዕል መከላኸሊ መሳርሒታትን፡ ስልጠና ብዛዕባ ክታበትን ኣወሃህብኡን ዝምልከት፡ በቲ ሃብታማት ሃገራትን ዘዳለውኦ መደብ ክብጻሕ ብምውጣን ኣብ ወርሒ ለካቲት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክበጽሕ ከምዝጀመረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኤርትራ ነቲ ዝተዳለወ ቅጥዒ ከምዘይመልአትን፡ ድሒራ ምስተን ነቲ ሓገዝ ዝተሓሰምኦ ሃገራት ምንባራን፡ ድሒሩ ብሩንዲ፡ ታንዛንያ፡ ማዳጋስካርን ክቅበላ ድሕሪ ምውሳነን ኤርትራ በይና ተሪፋ ምህላዋ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኤርትራ ነቲ ሓገዝ ከተእቱ ክገብር ዝጸንሐ ጎስጓስ ሎሚ ክዛዘም ምኻኑ ብተወሳኺ ካብ ኤርትራዊ ትካል መጽናዕትን ምርምርን ንፖሊስታትን ስትራተጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እቲ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ድሮ ኣብ ከባቢ ኣፍሪቃ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ደልታ ዝተባህለ ተላባዒ ቫይረስ ንምክልኻል ክታበት ከፍቅድን ህዝቢ ካብ ሞትን ሕማምን ከድሕንን ዝጽውዕን ዝደፍእን ምኻኑ ሓቢሮም። “ህዝቢ ሓበሬታ የብሉን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ስለዝኾነ ዘሎ ነገራት ክበጽሖን ክካፈሎን መሰሉ ክንፈጎ የብሉን። መሰል ሓበሬታን መሰል ነቲ ናይ ናጻ ኣጎልጉሎት ኮቫክስን፡ ክወስድ ይግብኦዩ፡ ሒጂ ዝያዳ ካልእ ምድሕና ይግብኦ” ብምባል ናይ ጎስጓሶም ምኽንያት ጠቂሶም።

ኣብ ዝቀረባ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ለበዳዊ ሕማም ይርአ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ስድራቤታት ካብ ሕክምና ናይ ኒሞንያን፡ ዌልካም ዝበሃል ሕማም ምዃኑ ይንገረን ከምዘሎ ኡኳ እንተተፈለጠ፡ እንተኾነ እቲ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ኮቪድ-19 ክኸውን ከምዝኽእል ይሕበር።

ኮቫክስ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ክህቦ ዝጸንሐ ሓገዝ ናብ 40% ምድያቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ቁጽሪዚ ንፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ናጻ ክታበት ከውህቦ ከምዝክእል ይሕበር። ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሒጂ ዝኾነ መግለጺ ከምዘየውጽአ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኣምበሳድር ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዛዕባ ሩስያ ተፍርዮ ዘላ ክታበት ምስ ኤርትራ ከምዝተዘራረቡ ምግላጾም ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ኮቪድ 19 ኣብ ዝሕጂ እዋን ንድኻታት ሃገራት ዝያዳ የጥቅዕ ምህላዉ ዝሕበር ኮይኑ፡ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ካብ ሓበሬታን ንጥፈታትን ዕጹዋት ሃገራት፡ ብዛዕባ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ክንዲ ምንታይ ምህላዉ ክፍለጥ ኣይተኻእለን ዘሎ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles