ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ከባቢ ባድመ ብሮቡዕ 28 ሓምለ ዘይ-ዕውት ፍተነ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ዝብል፡ ሰቲት ሚድያ ጌና ከተረጋግጾ ዘይካኣለት ዜና ካብቲ ቦታ ተረኺቡ። ህወሓት ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊት መንግስቲ ንከተማ መቐለ ምስ ሓዙ፡ ንጸላእቲ ክሳብ ዘለውዎ ክንስዕቦም ኢና ምባሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ኣብዘውጽእዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ግዝኣት ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበሮ ኩነታት ክምለስ ኣለዎ ዝቢል ጠለብ ኣቅሪቡ ነይሩ። ክሳብ ኣብዚ እዋን ድማ ነቲ ተወሲዱ ዝበሃል ግዝኣት ናይቲ ክልል ንምምላስስን ዓቕሚ ተጻባእቶም ንምድኻም ዝዓለም ኢዩ ዝበልዎ ኲናት ይቅጽሉ ኣለው። ኢዚ ብሮቡዕ 28 ሓምለ ብወገን ባድመ ዝተገብረ ፈተነ ኣካል ናይ’ዚ ክኸውን ክምዝኽእል ይእመት። ኣፈና ህወሓት ገታቸው ረዳ ምስ ተለቭዥን ትግራይ ኣብዝገበሮ ብ 29 ሓምለ ኣብዝተዘርገሐ ቃለ መሕተት ” ኤርትራ ዝሓዘቶ መረት ውን ክንመልሶ ኢና” ምባሉ ነዚ ዘራጉድ ከምዝኾነ ይግለጽ።
ወላ’ካ ብ28 ሰነ በይናዊ ምቁራጽ ተኽሲ ብምእዋጅ ምስሓብ ሰራዊት መሻርኽቲ ኣካላት፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝርከቦም ብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገለጽ፡ ህወሓት ነቲ ናይ ኣዋጅ ተኾሲን ተጻብኦን ብመትክል ጥራይ ከምዝቅበል ክገልጽ ጸኒሑ። ድሕሪ ምኽሳት ኲናት ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሕዳር 2020 ጌና እቲ ረጽሚ ኪኖ ትግራይ ሓሊፉ ናብ ካልኦት ክፍልታት ኣምሓራን ዓፋርን ሊሒሙ ይርከብ።
ምስ ምንዋሕን ምልሓም ሕድሕዳዊ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣሻሓት ዜጋታት ክሞቱ ከለው፡ ኣስታት 2 ሚልዮን ተዘናቢሎም ፡ 5 ሚልዮን ድማ ተጸበይቲ ረዲኤት ኮይኖም ይርከቡ። ኣብዚ’ዋን ‘ዚ ድማ እቲ ኣሻቃሊ ኮይኑ ዘሎ፡ ትካላት ድሕነትን ማሕበራት ሬድአትን ብሰንኪ ምቅጻልን ምልሓምን’ቲ ኲናት ንዝተማዛበሉ ዜጋታትን፡ ኤርትራውያን ሰደተኛታትን ዝግባእ ኣገልግሎት ክህባ ዘይምኽኣል ኢዩ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ትግራይ ዝባኣሰ ድርቂ ከንጸላልዎ ኢዩ ክብል ብምጥንቃቅ፡ ብሰንኪ ምልውዋጥ ቶኽሲ፡ 170 መግብን ረዴትን ዝጽዓና መካይን ውዱብ ኣብ ክልል ዓፍር መንገዲ ስኢነን ደው ኢለን ከምዘለዋ ይሕብር።