ሰንበት, ጥቅምቲ 26, 2025

መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ መዓስክራት ስደተኛታት ትግራይ ተዓቂቦም ዘለው ኤርትራውያን ዝግበር ዓመጽን ጎነጽን ጠጠው ክብል ትጽውዕ

መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዝውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትታዊያን ስደተኛታት ዓመጽን ጎነጽን ይውርዶም ክምዘሎ ካብ እሙናት ምንጭታት ከምዝረኸበን፡ ከምዘሻቀሎን ይሕብር። ኣፈኛ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ን ጋዘጥኛታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ” ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምትእስሳር ዘለዎም ሓይልታትን ምልሻ ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዓመጽ፡ ጎንጽን ምፍርራሓን ከምዝገብሩ ዘለዎ ካብ እሙናት ምንጭታት ሓበሪታ ኣለና፡ እዚ ብጣሚ ኣሻቂሉና ኣሎ።” ክብል ይገልጽ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ብሰንኪ እቲ ዳግማይ ዝተኽሰተ ኲናት ኣብ ከባቢ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርይሽን፡ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐትሉ ላፅለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ዩን.ኤች.ሲ.ኣር ገሊጹ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ኣብ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን፡ ልዕሊ 24,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘልዉ፡ ብስንኪ ዝተፈጥረ ኩነታት ፡ ንዝተፈላለየ ሽግር ተቃሊዖም ከምዝርከቡን ይፍለጥ። ኣብ ከባቢ ሰነ ን ሓደ ወርሒ ዝ ኣክል ረድኤት ከምዝተዋህቡን ኣብዚ ሕጅ አዋን ካ ዝኮነ ቀረብ ረድኤት ንምብጻሕ ከምዝይተካለን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ