ኩነታት ናይቶም በቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብናዕብን ዘይውሑስ ኩነታትን ተጎቢኡ ዘሎ ክልል ትግራይ ተጠቂዕም ዘሎው ኤርትራውያን ሰደተኛታት ዝባኣሰን ኣሰካፊ ከምዘሎን፡ ሰቲት ሚድያ ምስ ሓደ ናይቲ ዞባ ባዓል መዚ ሰራሕተኛ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሰሉስ 27 ሓምለ ኣብ ዝተገብረ ርክብ ኣረጋጊጻ። በቲ ኣብ ትግራይ/ኢትዮፕያ ተኽሲቱ ዘሎ ዘይውሑስ ኩነታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽትን ናብቲ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ካኣትዉ ብዘይ ምኽኣል ስራሓት ሰብኣዊ ረዲኤትን ርክብን ተዓናቂፉ ከምዘሎ ውን ኣጠንቒቁ።
ኣብቲ ዝተገብረ ርክብ፡ እቲ ባዓል መዚ ኩነታት ናይቶም ብፍላይ ኣብ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ተዓቂቦም ዘለው ሰደተኛታት ዝያዳ ኣሰካፊ ኢዩ ክብል ገሊጽ። ቀጻሊ ምንቅስቃስ ዕጡቃት ሓይልታትን ኣብቲ ቦታ፡ ንኤርትራውያን ሰደተኛታት ኣብ ራዕዲን ናይ ሂወት ሓደጋን ኩነታት አእቲዩ ከምዝርከብ ብተወሳኺ ሓቢሩ። ኣብከምዚ ኩነታት ድማ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተደጋጋሚ ኩሎም ኣብቲ ዞባ ዘለው ወገናትን ተዋሳእትን ብኣህግራዊ ሕጊ ተቀይዶም፡ ግዲታዊ ሓላፍነቶም ተገንዚቦም መሰላት ስደተኛታት ክኽበርን ንስደተኛታት ካብ ተጸባእነት ክድሕኑ ከምዝጸወዐ ኣቲ ብዓል መዚ ብተወሳኺ ኣዘኻኺሩ።
ንስደተኛታት ናብ ዝሓሸ፡ ውሑስ ቦታ ናይ ምጉዓዝ መደባት ንዝብል ክምልስ ከሎ፡ “ ንኣዋርሕ ዝኣክል ምስ መንግስቲ ኤትዮፕያ ዝሓሸ ሓድሽ ማዕስከር ንምድህሳስን ምምስራትን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ንምግዓዝን ክንሰርሕ ጸኒሕና። ስጋዕ ሕጁ ብመሰረት ድህሰሳ ተወሲኑ ተረኺቡ ዘሎ ቦታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኢዩ።ኣብዚ እዋን ብህጹጽ ነዚ ሓድሽ መዓስከር ኣብ ምህናጽ ንሰርሕ ኣለና።” እዚ ሓድሽ ማዓስከር ን 25000 ሰደተኛታት ከአንግድ ከምዝኽእል ብተወሳኺ ይሕብር።ምስ ምኽሳት ኣብዚ እዋን ተራእዩ ዘሎ ኣስጋኢ ምዕባሌታት ኣብ ትግራይ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን፡ ስደተኛታት ናብ ዝሓሸ ንምግዓዝ፡ ድልውነት ማዓስከር ስደተኛታት ኣልማዋጭ ነቃላጥፍ ኣለና ክብል ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ UNHCR ኣብ ክልል ትግራይን ክኒኡን ዘለው ኤርትራውያን ሰደተኛታት ናይ ሓገዝ ውሕስነትን ቀረብ ንምምላእ ብኹሉ መዳይ ይሰርሕ ከምዘሎ ከረጋግጽ ይደሊ ይብል እቲ ባዓል መዚ።
ምስዚ ዝተኣሳሰር፡ ብተመሳሳሊ ኣፈኛ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባባር ብሎክ ብ ሰሉስ ሓምለ 27 ኣብ ጄኔቫ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ከልተ መዓስከራት ትግራይ፡ ማይ ዓይኒን፡ ዓዲ ሓርሽን ዝርከቡ ብኣሻሓት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ብሰንኪ እቲ እንዳበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ኣብ መንጎ ክልተ ዕጡቃት ሓይልታት ተኽርዲኖም ከምዘለውን ትካል ኮሚሽን ስደተኛታት ብኩነታቶም ምሒር ተሻቂሉ ከምዘሎን ኣተሓሳሲቡ። ኣስታት 24,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብዘን ክልተ መዓስከራት ከምዘልዉን ብቀጻሊ ግዳያት ምፍርራሕን፡መግፋዕትን፡ ኣብ ቀጻሊ ጭንቂን ክምኡ ውን ካብ ሰብኣዊ ረዲኤትን ተሓሪሞም ከምዝርከቡን እቲ ኣፈኛ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።
ኣፈኛ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባባር ብሎክ ብተውሳኺ ኣብ ማይ ዓይኒ ብዝወሓደ ሓደ ሰደተኛ ብኣብቲ ውሽጢ’ቲ መዓስከር ዝነጥፉ ዕጡቃት ባእታታት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ከምዝተቀትለን ብ 14 ሓምለ ውን ካልእ ሰደተኛ ከምዝተሞተን ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘለዎም ንጋዜጠኛታት ኣዘኻኺሩ።