ብ ሓምለ 14 2021 ዕጡቃት ምልሻ ትግራይ ን 19 ኤትራውያን ስደተኛታት ካብ ማዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝወሰድዎምን፡ ብረት ክስከሙ ከምዝሓተትዎምን፡ ሓደ ኣማኒ ምስልምና ኤርትራዊ ስደተኛ ስለዝኣበየ ከምዝተቀተልዎ፡ ሮይተርስ ብመሰረት ካብ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመልኪቱ፡ ን ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምልሻ ትግራይ ኣብ መንበሪ ገዛ ናይቶም ስደተኛታት ብምእታው፡ ተፍትሽ ከምዝገበሩን፡ ዘረኸብዎ ተንቀሳቓሲ ተሌፎናት ከምዝወሰዱን ብምሕባር፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት፡ ኣብ ከባቢ ማዓስከር ዓዲ ሓሩሽ፡ ተኹሲ ከምዘሎ ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ን ሮይቶርስ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ሓይልታትና ን ስደተኛታት ዕላማ ገይሮም ኣይኮኑን ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ፡ ንውሕስነቶም ኣድላዪ ዘበለ ክንገብር ኢና፡ እዚ ዝበሃል ዘሎ ክነጻሮዮ ኢና” ድሕሪ ምባል፡ እቶም ስደተኛታት እንድሕር ድሌቶም ኮይኑ፡ ነቲ ቦታ ገዲፎሞ ንክኸዱ ነፍቅደሎም ኢና ክብል ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ጀሚሩ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን፡ ገለ ዕጡቃት ናብቲ መዓስከር ብምእታው ንብረት ብምዝራር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጉድኣት ከምዘውረዱ ይፍለጥ። ብተወሳኺ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት(UNHCR) ኣብ ዝሓለደ መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ናይ ሕነ ምፍዳይ፡ ማእሰርትን ማህረምትን ይካየድ ከምዘሎ ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘለዎም ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።