back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሞት ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ዝሰግሩ ስደተኛታት ይዛይድ

ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2021 ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ናይ ዝህቅኑ ስደተኛታት ሞት ብውሑዱ 1,146 ከምዝበጽሐ ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት(IOM) ብሰሉስ 13 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። እዚ ኣሃዝ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ ብሓምሳን ሸሞንተን ሚእታዊት (58%) ከምዝዛይድን ብምጥቃስ፡ ኩለን ሃገራት ኣብ ባሕሪ ዝጠፍእ ህይወት ንምቅናስ ህጹጽን ቅድመ ንጡፍ ስጉምታትን ክወስዱ ጸዊዑ።

እቲ ትካል ኣሊሽካ ናይ ምድሓን ስርሓት ክሕይልን ውሑስን ሕጋውን ኣገባባት ምርግጋጽን ከምዘድሊ ዓለም ለኻዊ ውድብ ስደተኛታት ኣተሓሳስቡ። በዚ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ሞት ስደተኛታት 513 ከምዝነበረ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ናይቲ ውድብ፡ ነዚ ናይዚ ዓመት ምዝያድ ሞት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠንቂ እዮም ዝበሎም፡ ከም ዘይእኹል መስርሕ ምእላሽን ምድሓንን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገማግም ባሕሪ ሰሜን ኣፍሪቃ ጠለፋታት ይብርኽ ምህላዉ ከምዝኾነ ኣዘኻኽሩ።

ዛጊት ኣብ 2021 ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ካብ ዘጋጠመ ሞት ስደተኛታት፡ እቶም 896 ብ ዓለም ለኻዊ ውድብ ስደተኛታት ዝተሰነዱ ክኾኑ እንከለው፡ ብውሑዱ 741 ማእከላይ ክፋል ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝሞቱ፡ 149 ምዕራባዊ ክፋል ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ክመቱ ከለው 6 ድማ ብምብራቃዊ ክፋል እቲ ባሕሪ ካብ ቱርኪ ናብ ግሪክ ክሰግሩ ምማቶም እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ ገሊጹ።
እቶም ዝተረፉ 250 ስደተኛታት ናብ ስጳኛ ንምብጻሕ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንምስጋር ዝፈተኑ ከምዝኾኑን ተገሊጹ።

ኣብዚ ብ IOM ዝቀረበ ጸብጻብ፡ ግዳያት ናይዚ ሓደጋታት ካብ ኣየኖት ሃገራት ከምዝኾኑ’ኳ እንተ ዘይሰፈረ፡ ብተዳጋጋሚ ኤርትራውያ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንሓደጋታት ከምዝቃልዑ ይፍለጥ። ሓደ ካብቲ ናይ ቀረባ ሓደጋታት ኣብ ፈለማ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡ ካብቶም ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ብሓደጋ ካብ ዝሞቱ 43 ስደተኛታት እቶም 11 ኤርትራ ምንባሮም ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles