back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኮቫክስ 520 ሚሊዮን ክታበት ኮቪድ-19 ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከባጽሕ እዩ 

ብምትሕብባር ውድብ ጥዕና ዓለምን ሃብታማት ምዕራባውያን ሃገራት ዝቖመ ንዝርግሐ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19፡ ኮቫክስ ዝባሃል ትካል፡ ን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ 2021 ኣስታት 520 ሚልዮን ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ከበርክት ሙኻኑ ኣፍሊጡ። ብ ሰንኪ ወሰኽ ናህሪ ብ ኮሮና ዝተለክፉ ኣብ ህንድን ካብ ሃገራ ናብ ሰደድ ዝላኣኹ ዝነበሩ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 እገዳ ምንባራ፡ እቲ ምዝርጋሕ ን ሃገራት ኣፍሪቃ ተቃሪጹ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ግን ምብጻሕን ምዝርጋሕን ከምዝቅጽል፡ ክሳብ መወዳእታ ቀዳማይ ርብዒ ዓመተ 2022 ኣስታት 850 ሚሊዮን ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ን ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝውሃብ ዳይሪክተር እቲ ትካል ኣሩሊ ኑግዩን ሓቢራ። 

እታ ዳይሪክተር ክሳብ ሕጂ ን 44 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዘርግሐ ክታበት ኣስታት 25 ሚልዮን እዩ ብምባል፡ በዚ ሕጉስቲ ከምዘይኮነትን፡ ዕላማ ኮቫክስ፡ ሳላሳ ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ንክኽተብ እዩ ክትብል ትገልጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓይሊ ዕማም ክታበት፥ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኣስታት 7 ሚሊዮን ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ዝኮነ ጆንሰን ጆንሰን ከማቃርሕ ምዃኑ ዝተረኽቡ ሓበሬታት የመላክቱ። 

ኮቫክስ ፡ ነተን ኣቀዲመን መዕቀኒታት ዘማልኣን ዝሓተታን ሃገራት ኣፍሪቃ ፡ኣብ ከባቢ ወርሒ መጋቢት ን ሃገራት ኣፍሪቃ ክህበን ከምዝጀመረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኤርትራ፡ታንዛንያን ብሩንድን ከምዘይሓተታን ዝኾነ ክታበት ከምዘይረኸባን ይፍለጥ።ኮቫክስ 520 ሚሊዮን ክታበት ኮቪድ-19 ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከባጽሕ እዩ 

ብምትሕብባር ውድብ ጥዕና ዓለምን ሃብታማት ምዕራባውያን ሃገራት ዝቖመ ንዝርግሐ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19፡ ኮቫክስ ዝባሃል ትካል፡ ን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ 2021 ኣስታት 520 ሚልዮን ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ከበርክት ሙኻኑ ኣፍሊጡ። ብ ሰንኪ ወሰኽ ናህሪ ብ ኮሮና ዝተለክፉ ኣብ ህንድን ካብ ሃገራ ናብ ሰደድ ዝላኣኹ ዝነበሩ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 እገዳ ምንባራ፡ እቲ ምዝርጋሕ ን ሃገራት ኣፍሪቃ ተቃሪጹ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ግን ምብጻሕን ምዝርጋሕን ከምዝቅጽል፡ ክሳብ መወዳእታ ቀዳማይ ርብዒ ዓመተ 2022 ኣስታት 850 ሚሊዮን ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ን ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝውሃብ ዳይሪክተር እቲ ትካል ኣሩሊ ኑግዩን ሓቢራ። 

እታ ዳይሪክተር ክሳብ ሕጂ ን 44 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዘርግሐ ክታበት ኣስታት 25 ሚልዮን እዩ ብምባል፡ በዚ ሕጉስቲ ከምዘይኮነትን፡ ዕላማ ኮቫክስ፡ ሳላሳ ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ንክኽተብ እዩ ክትብል ትገልጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓይሊ ዕማም ክታበት፥ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኣስታት 7 ሚሊዮን ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ዝኮነ ጆንሰን ጆንሰን ከማቃርሕ ምዃኑ ዝተረኽቡ ሓበሬታት የመላክቱ። 

ኮቫክስ ፡ ነተን ኣቀዲመን መዕቀኒታት ዘማልኣን ዝሓተታን ሃገራት ኣፍሪቃ ፡ኣብ ከባቢ ወርሒ መጋቢት  ክህበን ከምዝጀመረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኤርትራ፡ታንዛንያን ብሩንድን ከምዘይሓተታን ዝኾነ ክታበት ከምዘይረኸባን ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles