back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ኣሜርካን ካናዳ ዝረአ ዘሎ ምቆት ሓደገኛ ምዃኑ ሰበስልጣን የጠንቅቑ

ክሳብ ሕጂ እቲ ኣብ ታሪኽ ካብ እተመዝገበ ዝለዓለ ሙቐት ሓደገኛ ተባሂሉ ዝፍለጥ ብርቱዕ ሙቐት ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ከም ዘጋጠመ ተነግሩ ። ድሕርዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኵነታት ኣየር ኣመሪካ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይታ ሃገር መጠኑ ዝሓለፈ ዋዒ ኸስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቀቑ ። ሓንቲ ኣብ ግዝኣት ኦሪገን እትርከብ ከተማ ኸኣ ሙቐት “ንህይወት ሰባት ዘስግእ” ክኸውን ከም ዝኽእል ንተቐማጦኣ ኣጠንቀቐቶም ትርከብ ። ብዘይካ,ዚ ገሊአን ከተማታት ነቲ ሙቐት ንምዝሓል ዝኽእል መሳርሒታት ኣብ ዘለዎ ህንጻታት መዝሓሊ ዚግበረሉ ማእከላት ቦታ ይኸፍታ ኣለዋ ፣ እዚ ኸኣ ተቐማጦ እታ ኸተማ ኣብቲ ምዉቕ ኵነታት ኣየር ከም ዚዕቈቡ ይገብሪዎም ኣለው ።እዚ ለውጢ ዅነታት ኣየር ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝኸፍአ ሙቐት ብዝያዳ ኸም ዘስፍሖ ኽኢላታት ይገልጹ።

ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ምጥልቕላቕ ማይን ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስን ብርቱዕ ሃሩርን ሞት ኬስዕብ ከም ዚኽእል ክኢላታት የጠንቅቑ ኣለዉ። ትካል ኣገልግሎት ኵነታት ኣየር ኣመሪካ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይታ ሃገር ዝያዳ መዓልትታት “ኣዝዩ ሓደገኛ ሙቐት” ክህሉ ከም ዝኽእል ኣጠንቀቁ። ብምኽንያት እቲ ሕጂ ዘጋጥም ዘሎ ብርቱዕ ሙቐት ካብቲ ዛሓለፈ ግዜ እተመዝገበ ሙቐት ንላዕሊ ክምዝገብ ከም ዚኽእል ይገለጹ ። እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሴትል እተመዝገበ 101 ሙቐት ፋርናይት ኣብቲ ኸባቢ እቲ ኻብ ዘሎ ሙቐት እቲ ዝኸፍአ ወርሒ ሰነ ምዃኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እቶም ተቐማጦ ንነዊሕ እዋን ካብ ቤት ከይወጹ ብዙሕ ፈሳሲ ክወስዱ ከምኡውን ንዅነታት ስድራቤቶምን ጐረባብቶምን ኣዘውቲሮም ክካታተሉ ምኽሪ ተዋሂብዎም ኣሎ ። ኣብቲ ቕድሚ ሕጂ ማእከላይ ሙቐት ዝነበሮ ኸባቢ ዝነብሩ ኣባይቲ ኣየር ኣይነበሮምን እቲ ብርቱዕ ሃሩር ግን ከም ዘጥቅዖም ይሕብሩ ። ብሰንኪ እቲ ዋዒ ኸኣ ሓያሎ ናይ ኮሮናቫይስ ክታባትን ኣገልግሎት ተቛረጸ። ሰበ-ስልጣን ነቶም ተቐማጦ ጥንቃቐ ኺገብሩ እኳ እንተ መኸርዎም ብዙሓት ሰባት ግን ኣብ ከባቢ ቐላይን ኣብ መሐንበሲ ጋብላን ተኣኪቦም ንጸሓይ ኣብ ምዝሓል የሕልፉ ኣለዉ። ኣብ ካናዳ እትርከብ ብሪትሽ ኮሎምብያ ዝሓለፈ ቀዳም ዝለዓለ ሙቐት ኣመዝጊባ እያ ። ኣብ መብዛሕትኡ ግዝኣታ እውን ብርቱዕ ሃሩር ኣጋጢሙ እዩ ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles