back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሰራዊት ፌደራል ካብ ትግራይ ይወጽእ፡ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ትግራይ ኣትያ

ብመሰረት ማዕከን ሓበሬታ ኒውዮርክ ታይምስ ዘቐረቦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠቅሊሎም ካብ ትግራይ ይወጹ ምሃልዎምን፡ ድሮ ሰራዊት ናይቲ ብህወሓት ዝምራሕ ኣብ በረኸታት ኮይኑ ክቃለስ ዝጸንሐ ዕጡቅ ሰራዊት ትግራይ ንከተማ መቐለ ከምዝተቖጻጸራ ኣብቲ ቦታ ካብ ዝርከቡ ጋዜጠኛታታ ምሕባሮም ኣፍሊጣ።

ኣብ ትግራይ ንኣስታት 7 ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ሰለማዊ ህዝቢ ዓቢ ጉድኣት ከውርድ ምጽንሑ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ምቁራጽ ቶኽሲ ክግበርን፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቶም ሓገዝ ዝደልዩ ወገናት ክበጽሕ ክገብርን ክጽውዕ ምጽንሑ ይሕበር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንግስታውያን ማዕከናት ሓበሬታ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ፡ ምቁራጽ ቶኽሲ ክግበር ንቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ምሕታቱ ክሕብራ ከለዋ፡ እቲ ቤትጽሕፈት ነቲ ጠለብ ከምዝተቀበሎ ሓቢረን።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ደቡባዊ ክልል ትግራይ ከቢድ ኲናት ክካየድ ከምዝቀነየ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ መጺኡ ዘሎ ምዕባለ፡ ሰራዊት ፌደራል ድሕሪ ዘጋጠሞ ስዕረት ክኸውን ከምዝኽእል ይሕበር።

ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ምውጽኡ ዝተፈለጠ ነገር ኡኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት እቲ ሰራዊት ኣብ ከባቢ ዓድዋን ኣኽሱምን ክኣኻኽቦም ምቅናዩ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles